23.3 C
Asmara
Wednesday, September 13, 2023

”ሓመድ ኢድሪስ ዓዋተ 1915 -1962 ” ዓቢ ኤርትራዊ ናይ ታሪኽ ቅርሲ

እዚ መጽሓፍ ብቐንዱ ናይ ሓርበኛ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ናይ ቃልሱ ጉዕዞ ዝድህስስ እዩ። እዚ መጽሓፍ ናብ ኢድ ኣንበብቲ ንኽበጽሕ ዕድመ ሓደ መንእሰይ ማለት 35 ዓመታት ዝወሰደ ዓቢ ናይ ድርሰት ስራሕ እዩ። እዚ መጽሓፍ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተደርሱ ናይ ትግርኛ መጻሕፍቲ በዓይነቱ ይኹን ብትሕዝቶኡ ፍልይ ዝበለ እዩ። ደራሲ ተጋዳላይ ሃይለስላሴ ወልዱ ነዚ መጽሓፍ ኣብ ጊዜ ቃልሲ ንናጽነት ፈሊሙ ኣብ ጊዜ ናጽነት ድማ እዩ ዛዚሙዎ።

ደራሲ: ናይ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ናይ ቃልሲ ብጾቱ ብኣካል ንክረክብ፡ ሓቀኛ ሓበሬታ ንኽእክብ ክሳብ ሱዳን ከስላን: ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ካኣ ከበሳን ቆላን ብምኻድ፡ ሓበሬታን ጭብጥታትን ንምእካብ ቀትርን ለይትን ጺዒሩ ንሕትመት ዘበቐዐ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ቀረባ እዋን ታሪኽ ዘዘኻኽር ታሪኻዊ መጽሓፍ ዘቕረበ እዩ።

እዚ ማለት ብሓደ ወገን ናይ ደራሲ ትዕግስትን ጽንዓትን፡ በቲ ካልእ ድማ ደራሲ ታሪኻዊ ሓላፍነት ተሰኪሙ ከምዚ ዓይነት ጽፈት ዘለዎ መጽሓፍ ንሕትመት አብቒኡ ኣብ ኢድ ኣንበብቲ ምብጽሑ ምስጋና ይውሕዶ’ምብር ኣይበዝሖን እዩ። ትሕዘቶ ናይቲ ታሪኽን ኣቀራርባ ናይ ደራስን ንህሉዊን ንመጻኢ ወለዶን ሓደ ዓቢ ናይ ታሪኽ ቅርሲ ገጸ-በረኸት ከም ዘበረከተልና ጌርና ክንርእዮ ይግባኣና። ስለዚ ካኣ እዩ ንደራሲ ብግቡእ ክንፈልጦ፡ ክንርደኦን ከነምስግኖን ዝግባኣና። ምስጋና ጥራይ ንበይኑ እኹል ሰለዘይከውን ነዚ መጽሓፍ ገዚእና ኣንቢብና ልክዕ ከም ታሪኻዊ ቅርሲ ኣብ ከብሒ ገዛና ምቐማጥ ናይ ነብስወከፍ ዜጋ ሓላፍነት ይኹን። ምኽንያቱ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ህዝብታትን ሃገራትን ታሪኽ ብበዓል መንን ብኸመይን ይጻሓፍ ከምዘሎ ኣዳቒቕና ሰለ እንፍልጥ። ቅድሚ ሕጂ ታሪኽና ይኹን ናዓና ዝምልከት ዝጽሕፉ ዝነበሩ ጓኖት እዮም ነይሮም፡ ሰለዚ ይእከለና! ታሪኽና ክጽሕፉ ዝኽእሉ ብቑዓት ደረስቲ ኣለውና’ሞ ካባና ምትብባዕ ጥራይ እዩ ዘድዮም።

ደራሲ ተጋዳላይ ሃይለስላሴ ወልዱ ብ1948 ተወሊዱ፡ ናይ ቀዳማይን ካላኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ መዝዛም ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መሰልጠኒ መማህራን ኢንስቲትዩት ናይ ሓደ ዓመት ትምህርቲ ወሲዱ። ካብ 1970-1973 ኣብ ጋምቤላ ከም መምህርን ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ጸሓፊ ኮይኑ ከሰርሕ ከሎ፡ ካብ 1973-1975 ኣብ ጉዳይ ቃልሲ ኤርትራ ኢድ ኣሎካ ተባሂሉ ኣብ ”ኣለም በቃኝ” ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ። ካብ 1976 ካኣ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተጸምቢሩ ከብቅዕ፡ ክሳብ 1982 ኣብ ተዋጋ ሓይሊ፡ ካብ 1983-1992 ካኣ ኣብ ሚኒስትሪ ዜናን መጓዓዝያ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ቦታ ተመዲቡ አገልጊሉ እዩ።

እዚ መጽሓፍ ናይ ሓርበኛ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ታሪኽ ካብ ቁልዕነቱ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ዘዘንቱ ታሪኻዊ ሰነድ፡ ምስ ናይ ቃልሲ ብጾቱን ኣብዚ ታሪኽ ቅርበት ምስዝነበሮም ሰባት ዝተገብረ ቃለ-ምልልሰን ምስ ኣብቲ ጊዜ ዝነበሩ ሰነዳትን ብምትእኽኻብ ዝተሰርሐ ዓቢ ትሕዝቶ ዘለዎ ታሪኻዊ መጽሓፍ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ምድንጋራት ፈጢሮም ዝነበሩ ናይ ታሪኽ ሃጓፋት መሊሱ ዝመልአ ዓቢ ኤርትራዊ ቅርሲ እዩ።

ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ብ1915 ሃበራዳ ሞጎራይብ ኣብ ዝባሃል ቦታ ተወሊዱ ብሕርሻ ዝናበር ከምዝነበረ፡ ብ1935 ምስ ጥልያን ኣብ ዕስክርና ተኸቲቡ ከምዝነበረ፡ ካብ 1940-1941 ካኣ ኣብ ሱዳን ናይ ከሰላ ኣኽባር ጸጥታ ተመዲቡ ይሰርሕ ከምዝነበረን ካላኣይ ኵናት ዓለም ምስ ኣብቀዐ ደማ ናብ ሃገሩ ከም እተመለሰ ይዝንቶ። ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ብ1951 ኣብ ኤርትራ ምምሕዳር እንግሊዝ ዘውጸኦ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ተቐቢሉ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ እኳ ተነበረ፡ ኣብ ጊዜ ፌደረሽን ገለ ገለ ሓይልታት ኤርትራ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ንዝብሉ ምንቀስቓሳት ኣጥቢቑ ይቃዎሞ ሰለዝነበረ፡ ብ1961 ብረታዊ ቃልሲ ንምጅማር ናይ መጀመርያ ጥይት ብምትኳስ ቃልሲ ዝፈለመ።

ኣብ መወዳእታ ደራሲ ካሕሳ ስርሑ ዝደረሶም መጻሕፍቲ ክግዝኡን ክንበቡን ከለው ሰለዝኾነ፡ እዚ ናይ ደራሲ ዕደመ ዝበልዐ መጽሓፍ ኣብ እንዳ ነፍሲወከፍ ኤርትራዊ ቤት ክህሉ ማለት፡ ኣብ ገዛኻ ሓደ ዓቢ ኤርትራዊ ናይ ታሪኽ ቅርሲ ከም ምቕማጥ እዩ ዝቑጸር። ምኽንያቱ ልዕል ኢሉ ከምዝተጠቐሰ እዚ ደራሲ 475 ገጽ ዘለዎ ካብ ታሪኻዊ ሓላፍነት ተበጊሱ ከም እኽሊ ዝብላዕ፡ ከም ማይ ዝስተን ብህዋሳትና ዝድህሰስ ዓቢ ታሪኻዊ ሰነድ ሰለዘቐረበልና።

እዚ ሕጂ ” ዝኽሪ ባሕቲ መሰከረም ” እንዳበልና ካብ 1961 ጅሚሩ ንዝሓለፉ 60 ዓመታት ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኢልና እንኽብሮ ዕለት ምስ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ብቐጥታ ዝታኣሳሰር ሰለዝኾነ እዛ መጽሓፍ ምግዛእ፡ ምንባብን ብኽብሪ ድማ ኣብ ዝኸበረ ቦታ ከነቐምጦ ይግባኣና፡ ምኸንያቱ ታሪኽ ኤርትራ ክቡር ቅርሲ ሃገር ሰለዝኾነ።

ጅግንነት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ 50 ዓመቱ

ዓርቢ 08 ታሕሳስ 1972፡ ቅድሚ 50 ዓመት፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ምንጋሩ ዘጸግም ፍጻሜ ተኻየደ። ኣብ ክሊ ዕድመ 24- 28 ዝርከቡ ሰለስተ ኤርትራውያንን ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያንን ንነፋሪት ንመገዲ ኣየር ክጨውዩ ተበገሱ። እቶም ክልተ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ እቶም ኣርባዕተ ገሊኦም ትምህርቶም ዛዚሞም ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ...

ናጽነት ከቢድ ዋጋ ከፊልካ ይመጽእ፣ ከቢድ ዋጋ እንዳኸፈልካ ድማ ይዕቀብ

"ዝሞተ ነይክሰስ ኣብ ሰማይ ነይሕረስ" እኳ እንተኾነ፣ ስቕ ዘየብል ክትዕዘብ እንከለኻ ስቕታ ኣይትመርጽን። "ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትንኣ ትናፍቕ" ከምዝብሃል ብምኽንያት ሞት ንግስቲ ዓባይ ብርጣንያ ልዕልቲ ኤልሳቤጥ፣ መንግስቲ ኬንያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጁ ክትስምዕ ዘደንጹው እዩ። መቸም ብሰንኪ ምስፍሕፋሕን ጎበጣን ንግስነት ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ሃገራትን...

ሓንጎል፡ ሓሞት፡ ደም

ኣብዚ ቀረባ ቕነ ንሓጺር እዋን ምስቲ ኣዝየ ዘድንቖ መራሒ ተራኺበ ከዕልል ዕድል ረኺበ ነይረ።  ምልክት ቃልሲ ኤርትራውያን ንናጽነትን ኣርካን ኣቦ ሰውራን ውሩይ መራሒ እዩ። ብትሑት ኣነባብራኡን ምቕሉልነቱን ዝፍለጥ ሰብ እዩ። ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ዝገብሮ ንጥፈታት ካብ ዝኾነ ተራ ዜጋ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ከም ተራ ዜጋ ይኽደን፡ ኣብ መንጎ ህዝቡ ኣብ ንእሽቶ ገዛ ይነብር፡ ከምቲ ልምዲ ሕብረተሰብና ድማ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ንጥፈታት ከም ዝኾነ ተራ ዜጋ ይሳተፍ። ኣብ መላእ ሃገር ብናጽነት ዝንቀሳቐስ፡ ምስ ህዝቡ ሕዉስ መራሒ...

Shida Friendship Forum

On the occasion of Eritrea’s 31st Independence Celebrations, Shida Media will live stream a panel discussion on Saturday 21st of May at 9AM LA time, 12PM NY time, 6PM Berlin time and 7PM Asmara and Addis Ababa time. The distinguished panelists are: Alemseged Tesfai -...

Must read

More articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

- Advertisement -spot_img

እዋናዊ ዜና