21.2 C
Asmara
Monday, May 8, 2023

መጽሓፍ ንምግዛእሲ ክንድዚ ወጠጥ!

ነዚ ክጽሕፍ ዘበገሰኒ፣ ኣብ ሓደ ናይ ስነጥበብ መደብ 5 መጻሕፍቲ ኣብ ቅድሚ’ቲ ደራሲ ብ11 ሽሕ ብር (4 በብ 2 ሽሕ 1 ብ3 ሽሕ) ክሽየጣ ምስ ረኣኹ እየ። እቲ ዝያዳ ዘደነቐኒ ካኣ እቲ ነተን 5 መጻሕፍቲ ብጨረታ ንምግዛእ ኣብቲ ዕዱም ዝነበረ ምቅድዳም እዩ። እዚ ነቲ መጽሓፍን ጽሓፍን ዝተዋሃበ ክብሪ’ዩ፣ ሽዑ ንሽዑ ሞራል ደራሲ ሰማይ ዓሪጉ።
እዚ ምስቲ ኣብዚ ሰሙን ብደራሲ ተስፋይ ገብረኣብ ኣብ ሞንጎ ድርሰትን ደረስትን ታሪኽን ተረኽትን ዘለዎም ጋግ፣ ንሕትመትን ዝርጋሐን ዘሎ ጸገም፣ ኣብ ዓደግትን ነበብትን ዘሎ ሸለልትነት ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ሓበሬታ ለበዋ ሃናጺ ነቐፌታን ብዙሕ ኣታሓሳሲቡኒ። መብዛሕትና ንሰማማዓሉ፣ ኤርትራውያን ሰራሕቲ ታሪኽ’ምበር ነገርትን ጽሓፍትን፣ ዓደግትን ነብበትን ከምዘይኾና እዩ።
ኤርትራ ንርእሳ ታሪኽ ኣፍሪቃውያን ጸዓዱ ምዕራባውያን እያ። ኤርትራ ገና ዘይተጻሓፈትን ዘይተነበበትን መጽሓፍ እያ። ቀንዲ ተዋሳእቲ ድማ ጀጋኑ ኤርትራውያን እዮም። እወ! እቲ ሕቶ መን ይጽሓፎ መን የንበቦ እዩ። ስለዚ እቶም ስራሕቲ ቅያን ታሪኽን ውዕሎኦም ገዲፎምልና ክኸዱ ንምሕጽን፣ እቶም ክደርሱ ዝኽእሉ ብናይ ታሪኽ ሓላፍነት ክጽሕፉን ክስንዱን፣ እቶም ሰብ ማል ድማ ብዕላማ ከሕትሙን ክዝርግሑን፣ እቶም ተመገብቲ ታሪኽ ካኣ ተገዲስና ክንሽምትን ከነንብብን፣ ካብዚ ሓሊፉ ንደቅናን ንደቂ ደቅና ከነመሓላልፍ መድረኽ ዝሓትና ዘሎ ኮይኑ ይመስለኒ።
ምኽንያቲ ገለ ክፋል ታሪኽና ኣብ ቅድሚ ህላወ ፌጸምቱ ክብረዝ ክከሻምርሽ ንርእዮን ንዕዘቦን ስለዘለና። እዚ ንተረካቢ ሕድሪ ብደውና ከምዝሞትና ዝእምት እዩ። ታሪኽ ምስራሕ ተዘይካኣልና ዝተሰርሓልና ታሪኽ ንዓቅብ። ታሪኽ’ውን እኮ ናቱ ልኡላውነት ኣለዎ። ስለዚ ከምቲ ንናጽነትናን ልኡላውነትናን ክንዕቅብ ዋጋ እንኽፍሎ፣ ናይ ታሪኽና ልኡላውነት’ውን ክንዕቅብ፣ ክንጽሕፍ መጻሕፍትና ገዚእና ከነንብብን ንውለዶታት ክነውርስን ናይ ሕጅን ናይ ህሉዋትን ዕማም ኮይኑ ይስማዓኒ።
በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ክሳብ ሕጂ ምትብባዕ እንዳጎደሎም፣ ደሪሶም ክሳራ ዝብጽሖምን ንብዙሕ ጸገማት ብዲሆም መጽሓፍቲ ዘበርክቱልና ዘለው ደረስትናን ጽሓፍትናን ምስጋና ይብጻሓዮም።

ጅግንነት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ 50 ዓመቱ

ዓርቢ 08 ታሕሳስ 1972፡ ቅድሚ 50 ዓመት፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ምንጋሩ ዘጸግም ፍጻሜ ተኻየደ። ኣብ ክሊ ዕድመ 24- 28 ዝርከቡ ሰለስተ ኤርትራውያንን ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያንን ንነፋሪት ንመገዲ ኣየር ክጨውዩ ተበገሱ። እቶም ክልተ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ እቶም ኣርባዕተ ገሊኦም ትምህርቶም ዛዚሞም ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ...

ናጽነት ከቢድ ዋጋ ከፊልካ ይመጽእ፣ ከቢድ ዋጋ እንዳኸፈልካ ድማ ይዕቀብ

"ዝሞተ ነይክሰስ ኣብ ሰማይ ነይሕረስ" እኳ እንተኾነ፣ ስቕ ዘየብል ክትዕዘብ እንከለኻ ስቕታ ኣይትመርጽን። "ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትንኣ ትናፍቕ" ከምዝብሃል ብምኽንያት ሞት ንግስቲ ዓባይ ብርጣንያ ልዕልቲ ኤልሳቤጥ፣ መንግስቲ ኬንያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጁ ክትስምዕ ዘደንጹው እዩ። መቸም ብሰንኪ ምስፍሕፋሕን ጎበጣን ንግስነት ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ሃገራትን...

ሓንጎል፡ ሓሞት፡ ደም

ኣብዚ ቀረባ ቕነ ንሓጺር እዋን ምስቲ ኣዝየ ዘድንቖ መራሒ ተራኺበ ከዕልል ዕድል ረኺበ ነይረ።  ምልክት ቃልሲ ኤርትራውያን ንናጽነትን ኣርካን ኣቦ ሰውራን ውሩይ መራሒ እዩ። ብትሑት ኣነባብራኡን ምቕሉልነቱን ዝፍለጥ ሰብ እዩ። ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ዝገብሮ ንጥፈታት ካብ ዝኾነ ተራ ዜጋ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ከም ተራ ዜጋ ይኽደን፡ ኣብ መንጎ ህዝቡ ኣብ ንእሽቶ ገዛ ይነብር፡ ከምቲ ልምዲ ሕብረተሰብና ድማ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ንጥፈታት ከም ዝኾነ ተራ ዜጋ ይሳተፍ። ኣብ መላእ ሃገር ብናጽነት ዝንቀሳቐስ፡ ምስ ህዝቡ ሕዉስ መራሒ...

Shida Friendship Forum

On the occasion of Eritrea’s 31st Independence Celebrations, Shida Media will live stream a panel discussion on Saturday 21st of May at 9AM LA time, 12PM NY time, 6PM Berlin time and 7PM Asmara and Addis Ababa time. The distinguished panelists are: Alemseged Tesfai -...

Must read

More articles

1 COMMENT

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

- Advertisement -spot_img

እዋናዊ ዜና