ነዚ ክጽሕፍ ዘበገሰኒ፣ ኣብ ሓደ ናይ ስነጥበብ መደብ 5 መጻሕፍቲ ኣብ ቅድሚ’ቲ ደራሲ ብ11 ሽሕ ብር (4 በብ 2 ሽሕ 1 ብ3 ሽሕ) ክሽየጣ ምስ ረኣኹ እየ። እቲ ዝያዳ ዘደነቐኒ ካኣ እቲ ነተን 5 መጻሕፍቲ ብጨረታ ንምግዛእ ኣብቲ ዕዱም ዝነበረ ምቅድዳም እዩ። እዚ ነቲ መጽሓፍን ጽሓፍን ዝተዋሃበ ክብሪ’ዩ፣ ሽዑ ንሽዑ ሞራል ደራሲ ሰማይ ዓሪጉ።
እዚ ምስቲ ኣብዚ ሰሙን ብደራሲ ተስፋይ ገብረኣብ ኣብ ሞንጎ ድርሰትን ደረስትን ታሪኽን ተረኽትን ዘለዎም ጋግ፣ ንሕትመትን ዝርጋሐን ዘሎ ጸገም፣ ኣብ ዓደግትን ነበብትን ዘሎ ሸለልትነት ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ሓበሬታ ለበዋ ሃናጺ ነቐፌታን ብዙሕ ኣታሓሳሲቡኒ። መብዛሕትና ንሰማማዓሉ፣ ኤርትራውያን ሰራሕቲ ታሪኽ’ምበር ነገርትን ጽሓፍትን፣ ዓደግትን ነብበትን ከምዘይኾና እዩ።
ኤርትራ ንርእሳ ታሪኽ ኣፍሪቃውያን ጸዓዱ ምዕራባውያን እያ። ኤርትራ ገና ዘይተጻሓፈትን ዘይተነበበትን መጽሓፍ እያ። ቀንዲ ተዋሳእቲ ድማ ጀጋኑ ኤርትራውያን እዮም። እወ! እቲ ሕቶ መን ይጽሓፎ መን የንበቦ እዩ። ስለዚ እቶም ስራሕቲ ቅያን ታሪኽን ውዕሎኦም ገዲፎምልና ክኸዱ ንምሕጽን፣ እቶም ክደርሱ ዝኽእሉ ብናይ ታሪኽ ሓላፍነት ክጽሕፉን ክስንዱን፣ እቶም ሰብ ማል ድማ ብዕላማ ከሕትሙን ክዝርግሑን፣ እቶም ተመገብቲ ታሪኽ ካኣ ተገዲስና ክንሽምትን ከነንብብን፣ ካብዚ ሓሊፉ ንደቅናን ንደቂ ደቅና ከነመሓላልፍ መድረኽ ዝሓትና ዘሎ ኮይኑ ይመስለኒ።
ምኽንያቲ ገለ ክፋል ታሪኽና ኣብ ቅድሚ ህላወ ፌጸምቱ ክብረዝ ክከሻምርሽ ንርእዮን ንዕዘቦን ስለዘለና። እዚ ንተረካቢ ሕድሪ ብደውና ከምዝሞትና ዝእምት እዩ። ታሪኽ ምስራሕ ተዘይካኣልና ዝተሰርሓልና ታሪኽ ንዓቅብ። ታሪኽ’ውን እኮ ናቱ ልኡላውነት ኣለዎ። ስለዚ ከምቲ ንናጽነትናን ልኡላውነትናን ክንዕቅብ ዋጋ እንኽፍሎ፣ ናይ ታሪኽና ልኡላውነት’ውን ክንዕቅብ፣ ክንጽሕፍ መጻሕፍትና ገዚእና ከነንብብን ንውለዶታት ክነውርስን ናይ ሕጅን ናይ ህሉዋትን ዕማም ኮይኑ ይስማዓኒ።
በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ክሳብ ሕጂ ምትብባዕ እንዳጎደሎም፣ ደሪሶም ክሳራ ዝብጽሖምን ንብዙሕ ጸገማት ብዲሆም መጽሓፍቲ ዘበርክቱልና ዘለው ደረስትናን ጽሓፍትናን ምስጋና ይብጻሓዮም።
Ema