እዛ ካብ መባእታ ፍጥረታ አትሒዛ ብሓሶት ተወሊዳ: ብሓሳት ተጠሚቓ: ብሓሶት ነይራ ብሰንክ እኩይ ግብራ ድማ ብሕማቕ ዝጠፍአት መልአከ-ሓሶት ማለሊት: ሕጅ ብድሕር ሞታ ብዘገርም ሓሶት ኮስኪሳ ዘዕበየቶም ቀይድ-በተኽ ሓሰውቲ ደቃ: ንወድሰብ ብዘደንጽዉ ፈጠራታት ሓሳትን ይበል ብዘብል ተዋስኦ ጽርጊያታት ዝባና ቐሊዓ ክተርአይ ትውዕል አላ።
ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ!
እንተ ንሕና ኤርትራውያን ቅድሚ ምፍጣራ ኣብ ድቒ እንከላ ስለንፈልጣ: እዚ ተዋስኦ ሓሶታ አይሓደሰናን። ኢትዮጵያውያን የሕዋትና ግን ብሓሳት ማለሊታውያን እዝኖም ጸሚሞም ዐገሲ ከናድዩ ላዕልን ታሕትን ይብሉ አለው።
ተረፍ መረፍ ማለሊታውያን ካብተን ፋብራካታት ሓሶት ወያኔ ዝነበራ ዩኒቨርስቲታት ብዝልዓለ ደርጃ ሓሶት ዘመርቐቶም አዲኦም ምስጠፍአት: ኣብ ፈቐዶ ጽርጊያታት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ብምንግርጋር ሓዘኖም ብተዋስኦታት ኣሰንዮም ይገልጹልና ኣለው።
እዚ ክድበስ ዘይክእል ሓዘን ድማ ኣብ ዘይዕረ ስን ኣእምሮኣዊ ቅልውላው ሽሚምዎም ይርከብ።
ሰብ ጻዕዳ ኮንጎ ማለሊታውያን ሙሉእ ጊዚኦም ጻዕዳ ሓሶት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ስርሐይ ኢሎም ክዝርግሑ ይውዕሉ።
ሓሶት ግዜኣ በሊዓ ትበልይን መሰረት ዘይብላ ዓፍራ ስለዝኾነት: ዊዓሉ ከይሓደረ ድማ ውርደቶም ክሽከሙ ንርእ አሎና።
በዚ ኣጋጣሚ: ኤርትራን ኢትዮጵያውያን ብሓባር: ማለሊታውያን ብሉጻት ሓሰውቲ ዓለምና ተባሂሎም ናይ ሓሶት ኖቤል ሽልማት ክሽለሙ ጎስጋስ ክንጅምር ምኳና ክንሕብር ንፈቱ።