ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢውሮጳዊ ሕብረት ብዙሓት ዛዕባታት ተላዒሎም። ንሩስያ፡ ኢራን፡ ሚናይማርን ኢትዮጵያን ዝምልከቱ ጸብጻባት ሰሚዑን ተኻቲዕሉን።
ብላዕላዋይ ኮሚሽነር ዝተመዘዘ ወጻኢ ጉዳያት ፊንላንድ ዝቕረቦ ጸብጻብ ሰሚዑ። ኣብ መወዳእታ ጋዚጣዊ መግለጺ ላዕላዋይ ኮሚሽነር ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዘርዚሩ፡
– ኣስታት 80% ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ክበጽሖ ኣብዘይክእል ኩነታት ይርከብ
– ኩናት ኣብ ገለ ክፋላት ትግራይ ይቕጽል ኣሎ
– ዓለታዊ መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ግዳያት ኣለዉ
ክሳብ ብጽሑፍ ዝርዝራት ዝወጽእ፡ ከም ምሕጽንታ ድማ
– ኩናት ደው ክብል
– ሓገዝ ዘድልዮም ወገናት ሓገዝ ክበጽሖም ምግባር
– ተፈጺሞም ዝበሃሉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክጻረዩ
ብምባል ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዛዚሙ።