19.5 C
Asmara
Thursday, September 14, 2023

ናይ ማለሊታዊያን ነብሲ ምውዳቕ ሕማም

ኣብደገን ኣብ ውሽጥን ዝርከቡ ትርፍራፍ ጁንታ እታ ከም ጣኦት ዘምልኽዋን ጠፍጢፋ ዝሰርሓቶም ደቂ እዛ ጁንታ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ወላዲቶም ብሕልሚ እውን አንተኾነ ኣብዘይትራኣዮም ኣርሒቓ ስለዝጠፍኣቶም ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ሓዘንን ይርከቡ።
እዛ ከም ኣምልኾት ፈጣሪ ጌሮም ዝሪኢዋ ዝነበሩ ሓሳዊት ጁንታ ኣብዘይትመለሰሉ ስፍራ ኣርሒቓ ካብ ትፋኖ እነሆ ኣዋርሕ ሓሊፍዋ ይርከብ። እዚኦም ብከቢድ ሓዘን ልቦም ዝተሰብረ ደቃ ኣብ እቲ ሓመድ ድበ ናይ ኣዲኦም ተርኺቦም ወግዓዊ ምፍናው ንኽገብሩላ ዕድል ኣይሃብናዮምን።
ካብ እቲ ዓሙቕ ድቃሶም ኣባራቢሮም እዮም እታ ሓሳዊት ኣዲኦም ብኽፉእ ከምዝሓቐቐት ኣርዲኦሞም።
እምብኣር እዞም እክብካብ ደቃ ኣብ ውሽጢ ኣዚዩ ንምእማኑ ዘሽግርን ከቢድ ናይ የእምሮ ቅልውላው ኮይኖም እዮም ንሓዘኖም፡ ንሕርቃኖም፡ ንዝተሰብረ ልቦምን ዝለመሰ ሞራሎም ንምዕጋስ በቲ ካብ ኣዲኦም ዝወረስዎን ሓሶት ብስነስርዓት ስለዝተላበስዎን እከይ ተግባራት ልማዶም ስለዝኾነ እንሆ ንኤርትራ ክውንጅልዋ ንሰምዕ ዘሎና።
በሉ እምብኣር ሕጂ እውን ሓሶት ዘዋጻኣኩም እንተኾይኑ ቀጽልዎ ይጥዓምኩም!
ከምቲ ንሳቶም ዝብልዎ ኤርትራ ክትሕግዝ እንተዘይትኣቱ ኔራ፡ ሶማሊያ ኣትያ እንተዘይትሕግዝ ኔራ፡ ሃገራት የዕራብ እንተዘይኣትዋ ኔረን፡ መንግስታት ዓለምውን እንተዘየስቅጡ ኔሮም፡ ንዓና ተጋሩ: ኣነቀጥቀጥቲ ጎቦ ብምዃና ዝስዕረና ብፍጹም ኣይምተረኽበን እትብል ሓድሽ ዜማ ጽቡቕ ተዛንየኒ ኣላ።
ኤርትራ ኣይኣተውትን!

እንተኣተወትከ?

  • ሕብሪ ዓይንኹም ቃሕ ስለዘይበለና ኢላ ኣብ መላእ ኢትዮጲያ ንዘመናት ዝነበሩ ንጽሃን ኤርትራዊያን ዝንበሮም ኩሉ ንብረቶም ራሲያ ኣብ ጥራይ ኢዶም ብመዘና ዘይርከቦ ግፍዒ ንልዕሊ 80 ሽሕ ካብ ኢትዮጲያ ዘባረረት ህውሓት።
  • ብምኽንያት ዶብ ባድመ ብምስባብ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣውጃ ናይ 19 ሽሕ ብሉጻት መንእሰያት ኤርትራውያን ሂወት ዝቐዘፈት ህውሓት።
  • ብድሕሪ ናይ ዶብ ፍርዲ ውሳነ ብናይ ጎይቶታታ ምትብባዕ ናይ ኤርትራ ልኡላዊ መሬት ገቢታ ብእምብይታ ኣይለቅቕን ዝበለት ህውሓት።
  • ኣብ ዞባና ዘለው መራሕቲ ሃገራት ብምስዳዕን ብሓሶት ብምትላልን ንመንግስቲ ኤርትራ ካብ እቲ ዞባን ንኽትግለል ከይደቀሰት ትሓድር ዝነበረት ህውሓት።
  • ብናይ ጎይቶታታ ባርኾትን ብናይ ገዛእ ርእሳ ትዕቢትን ተውጢራ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣይ ውግእ ኣይሰላም ጌራ ጸጸኒሓ እውን ውግእን ምትንኻፋታትን ትገብር ዝነበረት፡ ነቲ ጉዳይ ጂሆ ብምሓዝ ንግሆን ምሸትን ጉቡእ መቕጻዕቲ ንህቦም ኣለና እንዳበለት ትጃሃር ዝነበረት ህውሓት።
  • ናይ ባሕሪ ጥቕምን ናይ ኮንትሮባንዳ ሽፍትነት ናይ ግላዊ ረብሓን ንኸተካይድ ክጥዕማ ኣብ ልኡላዊት ሃገር ሶማልያ ብምእታው ጎይቶታታ ድማ ናይ ባሓሪ ሶማሊያ ብቐትሩ ንኽዘርፉ ምስ ኣተዉ ኤርትራ ድማ ነዚ ጽዩፍ ኩፍእን ተግባራቶም ብምቅዋማ ስለዘይተዋሕጠሎም ንሳን ጎይቶታታን ሓሶት ብምፍብራኽ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብዓሎቕ እገዳ ብምትግባር ዋና ዝነበረትን ብሓጎስ ዝተፈንጨሐትን ህውሓት።
  • ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተደጋጋሚ ውግእን ምቱኹታኽን ጸኒሑ ድማ ብጎይቶታ ተፈብሪኹ ዝተገብረ እገዳ ኣብ ቁጠባ ሃገር ዘስዓቦ ጽልዋ: ኣብ ፈቖዶ ስደት መንእሰያትና ኣደዳ ሽግርን መከራን ክኾኑ ብሓጎስ ልባ ትሓርም ዝነበረት ህውሓት።
  • ኣብ ኣደባባይ ብግልጺ ቀንዲ ዕላማና መንግስቲ ኤርትራ ክንግልብጥ ኢና ኢላ ብድፍረት ዝኣወጀት ህውሓት።
  • ኣብ ግዜ ለውጢ ደኩተር ኣብይ ውዕል ኣልጀርስ ተቐቢሉ ከብቅዕ ኣብ ግብሪ ከውዕልን ኣብዝፈተነሉ ግዜ ግን ጁንታ ዝተፈላለይ ሽግራት እንዳፈጠረት ወተሃደራት ኢትዮጲያ ካብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ንኸይወጹ ብምኽልካልን ሰላም ንከይስስን ንኸይቅጽልን የዒንታ ሰለም ዘየበለት ህውሓት።
  • ኣባላት ሰሜናዊ እዚ ሰራዊት ኢትዮጲያ ኣብ ድቃሶም ከለው ብጥይት ረሺና ዝቐተለትን ዝተረፉ ድማ ብግፍዒ ኣሳቅዩ ክዳውንቶም ኣውጺኡ ብጥራሕ ዝባኖም ክሳብ መሬት ኤርትራ ዘሳጎገትን ዝቐተለትን ህውሓት።
  • ብተደጋጋሚ ናብ ኤርትራ ተወንጫፊ ሮኩየት ዝወንጨፈት ደብዳብ ዘካየደት ቀይዲ በተኽ ህውሓት።
  • ኤርትራ ኣትኪሉ ዝዋጋእ ሰራዊት የብላን፡ መንእሰያታ ዝኸሰረት ሃገር ስለዝኾነት ንዓና ናይ ሓደ መዓቲ ቁርስና እያ። ተጋግያ ንዓና ከተጥፍእ ከይትሓስብ! እንተሓሲባ ግን ኣኽኢልዋ ንጥፍኣታ እዩ እንዳበለት ኣብ ኣደባባይ ልዕሊ ዓቐን ዝተቐደት ህውሓት።
  • ኣሰመራ ኮነ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተውንጫፊ ሮኩዮታትና እየን እንዳበለት ክትፍክር ዝኸረመት ህውሓት።
  • ትማሊ ናይ ውግእ ኪኢላታትን ፈላጣትን ኢና! ልዕሌና መን ኣሎ! ክህሉ ድማ ዘይሕሰብ እዩ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ልዕሌና ብዓይነትን ብዝሒ ኣጽዋርን ዝዓጠቐ የለን ኢላ ልዕሊ ዓቕማ ዝተነፍሐት ህውሓት።

ንዓና ውግእ ናይ ባህሊ ጸወታና እዩ! እንዳበለት ከምዘይፈከረት: ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ሓደ ሰሙን ኤርትራ ተዋጋኢ መንእሰይ ሰራዊት የብላን ትብል ዝነበረትን፡ ውግእ ምስ ተጀመረ ከይውዓለት ከይሓደረት ንጽባሒቱ ኤርትራ 18 ክፍለሰራዊ ሒዛ ትግራይ ወሪራትና ክትብል ኣየሕፈራን: እዚ ብንኡስ ቁጽሪ (ከባቢ 64000 )ተዋጋኢ ሰራዊት ማለት እዩ።በዚ እውን ኣይኣኸለን ጽንሕ ኢላ ድማ ከይውዓሉ ከይሓደሩ 10000 ሰራዊት ኤርትራ ማሪኽና እናበለት መለኸትን ጥሩምባን ክትነፍሕ ግዜ ኣይወሰደላን። ዘደንጹ ነገራት እዩ: ጉድ ዘብል እዩ።

እሞ ሒጂ ድኣ እንታይ እዩ ዝጥበስ!

እሞ እዚኹሉ ኣይትሓዙንን ጃህራን ዳንኬራን ዝነበረ ተረሲዑን ተሪፉን፡ ሕጂንከ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ወጊኢና ኣድሚይና፡ ቀቲልና እንዳበሉ ኣብ መካይን ዝሓልፋሉ ጽርግያታት ኣመሪካን ኤውሮጳን ኣብቀዝሒ ኣሳሒታን በረድን ሕርቃኖምን ብስጪቶምን ንምዕጋስ ጠንቀላዕላዕ እንተበሉ: ሕጊ መንግስታዊ መሰሎም ስለዝኾነ ማንም ዝኽልክሎም የሎን።
ንሕና ኤርትራውያን ድማ በቲ ተዋስኦ ዝገብርዎ እንዳተዛነና ጽቡቕ ግዜ ነሕልፍ ኣለና። ይበል ዘብል ተዋስኦ እዩ፡ ተሰማሚዑና ኣሎ! ኣይተቋርጽዎ: ቀጽልዎ ኢኹም።
ኤርትራ ኣብ ሓመድ ድበ ቀብሪ ወያኔ ናይ ምክፋል ሙሉእ መሰል ኔርዋን ኣለዋን።
ደብረጽዮን ንሰራዊት ኤርትራ ወግዓዊ ዕድመ ከምዘቕረበሎም ኣይትረስዕዎን ዳኣ።
ህዋታውያን ሓቂ ኣዝያ መራር እኳ እንተኾነት ብልክዕ ምቕባል ይሕሸኩም ናይ መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጲያ እዩ ቦታኹም ዘትሓዘኩም።
ኤርትራ ኣትያ ሓጊዛ እንተኾይና ድማ ሐራይ ገበረት!!
እዛ ጉዳመኛ ዝኾነት ጁንታ ናይ ኢትዮጲያ ሰሜናዊ እዚ ሰራዊት ቀቲላ ከተብቅዕ፡ ገሊኦም ምስ ዕርቃኖም ናብ ኤርትራ ኣባሪራ፡ ገሊኦም ኣሲራ ነቲ 80% ዝግመት ናይቲ ግምባር ዝንበረ መሳርያታት ኣብትሕቲ ቁጽጽራ ብምእታው: ህወሓት እከይ ግብራ ብዝሓንጸጸቶ መደባታ ከተሰጉሞ ምስ ጀመረት: ነቲ ኩነታት ብግቡእ ዘንበቦትን ኣብ እቲ ከባቢ ዝነበረን ክፍኣት ናይ እዛ ጁንታ ብእዋኑ ዝተረደአን ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ነቲ እከይ ውጥና ብኣጋ ኣበርዒኑ: ንምክልኻል ሓይልታት ሰራዊት ኢትዮጲያ ክዕቖብን: ክዕንገልን: ከምብሓድሽ ክውደብን: ኮታስ ብሞራልን ስንቅን እንተዘየዕጥቆ ኔሩ ኣብዚ ግዜ እዚ ኩንታት ህላዌ ኢትዮጲያን ኢተጲያውነትን እንታይ ምመሰለ ኔሩ ኢልካ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይምኾነን።
ናይዚ ኩሉ ናይ መጨረሻ ውጽኢት ድማ፡

ኤርትራ ጽቡቕ ጌራ ቀቢራትኩም ኣላ!

ኢትዮጲያውን ጽቡቕ ጌራ ቀቢራትኩም ኣላ!

ጁንታውያን ድማ ጽዋ ስዕረትኩም ዋሓጥዋ ድኣ።

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Must read

Crucial, yet overlooked factors related to the surge in violence against Eritrean communities

The past several weeks and months have seen a rash of violent attacks against Eritrean festivals in cities across the West. In a previous article published in Eritrea Profile...

New reports about food thefts demonstrate truth always emerges in the end

Like all conflicts, the one that raged in northern Ethiopia from 2020-2022 was fought both on the ground and along the information front. Within the latter battle, a recurring,...

Violence against Eritrean communities underscores abject failure and hypocrisy of the West

Late last week, Eritrea Profile published, “Words Matter: Double Standards in Mainstream Media,” a well-written article by Afabet Gebretinsae that decries media coverage of the recent spate of crime...

MohamedBrhan Hassen (1934-2022) An Eritrean Nationalist, Organizer, Freedom Fighter and Memorialist

The late 1950s and early 1960s was a momentous period in modern Eritrean History. It was defined by the aggressive final moves of the Ethiopian Imperial government to dismantle...
- Advertisement -spot_img

More articles

- Advertisement -spot_img

Latest article