14.8 C
Asmara
Monday, March 6, 2023

ኮሮናን ካልኦት ዞባዊ ለበዳታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ

ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዓለምና ካብ ዝክሰት ልዕሊ ዓመት አቁጺሩ’ሎ። እዚ ኣዚዩ ተላባዒን ሓደገኛ ቫይረስ ኮሮና ኣብዝሓጸረ ጊዜ ኣብ መላዕ ዓለም ኣዚዩ ብዘገርም ናህሪ ድሕሪ ምልብዑ: ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ዘስዕባ ሕማም ኮቪድ-19(Covid-19): ብድሕሪ ካላኣይ ውግእ ዓለም ዘይተራእየ መዘና ኣልቦ ሰብኣዊ ህልቐትን ቁጠባዊ ኪሳራን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም የስዕብ ኣሎ።

ንሓደገኛነት እዚ ቫይረስ ንምግታእን ካብ ተወሳኺ ህልቂት ህዝቢ ንምድሓንን መብዛሕተን ሃገራት ዓለም ኩለንተናዊ ምርግጥ ንክግበር ክውስና ከለዋ: ካልኦት ሃገራት ድማ ከከም ኩነታቱ ከፊላዊ ምርጋጥን ክልኦት መምርሕታት ብምትግባር ህዝበን ካብሓደጋ ክካላኸላ ይጽዕራ ኣለዋ።

ኤርትራ ሃገርና ድማ ንዘለዋ ድሩት ሞያዊ: ሰብኣዊን ንዋታዊን ዓቅሚ ኣብ ግምት ብምእታውን: ንሓደገኛነት ኮሮና ቫይረስ ንምኹላፍ ንዘሓለፉ ኣስታት 12 ኣዋርሕ ኩለንተናዊ ምንቅስቃሳትን ሓፈሻዊ ርገጣን ብምትእትታው ንህዝባ ካብዚ ሓደገኛነት ቫይረስ ብኣብነታውነት ክትምክት ጸኒሓ ኣላ።

ዝኣክል ምድላዋት ድሕሪ ምግባርን ኣብ መዳያት ህክምና: ሰብዓዊን ሞያዊን ኣቕማ ክተደልብ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ሎሚ ናይ መጀመሪያ ስጉምቲ ናብ ንቡር ናብራ ብጥንቓቐ ይጅምር ኣሎ።

በዚ መሰረት ድማ ህዝባዊ መጉዓዝያ ዞባ ማእከል ብምኽንያት ሕማም ኮሮናቫይረስ (COVID-19) ኣገልግሎት ኣቋሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ሰኑይ 29/03/2021 ስሩዕ ኣገልግሎት መስመራት ውሽጢ ከተማን ከባቢ ዓድታትን ክጅምር ምኹኑ ወግዓዊ ሓበሬታ ዘርጊሑ።

ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ድማ ቤት ትምህርቲታትን ካልኦት ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት ስርሓን ከምዝጅምራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ይሕብር።

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Must read

Towards Establishing A Society for All

Last week, the global community marked World Day of Social Justice (WDSJ). First proclaimed by the United Nations General Assembly during its sixty-second session in November 2007, WDSJ has...

EU Foreign Policy Chief’s Troubling Habit

Early last week, Josep Borrell, the European Union’s (EU) foreign policy chief, made some highly troubling comments about several African countries. Speaking about Russia's recent engagements in Africa and...

Highlighting Recent Eritrea-Kenya Engagement

Earlier this week, President Isaias Afwerki traveled to Kenya to meet with President William Ruto, following up on the latter’s visit to Eritrea late last year. During the two-day...

ጅግንነት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ 50 ዓመቱ

ዓርቢ 08 ታሕሳስ 1972፡ ቅድሚ 50 ዓመት፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ምንጋሩ ዘጸግም ፍጻሜ ተኻየደ። ኣብ ክሊ ዕድመ 24- 28 ዝርከቡ ሰለስተ ኤርትራውያንን ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያንን ንነፋሪት ንመገዲ...
- Advertisement -spot_img

More articles

- Advertisement -spot_img

Latest article