ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዓለምና ካብ ዝክሰት ልዕሊ ዓመት አቁጺሩ’ሎ። እዚ ኣዚዩ ተላባዒን ሓደገኛ ቫይረስ ኮሮና ኣብዝሓጸረ ጊዜ ኣብ መላዕ ዓለም ኣዚዩ ብዘገርም ናህሪ ድሕሪ ምልብዑ: ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ዘስዕባ ሕማም ኮቪድ-19(Covid-19): ብድሕሪ ካላኣይ ውግእ ዓለም ዘይተራእየ መዘና ኣልቦ ሰብኣዊ ህልቐትን ቁጠባዊ ኪሳራን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም የስዕብ ኣሎ።
ንሓደገኛነት እዚ ቫይረስ ንምግታእን ካብ ተወሳኺ ህልቂት ህዝቢ ንምድሓንን መብዛሕተን ሃገራት ዓለም ኩለንተናዊ ምርግጥ ንክግበር ክውስና ከለዋ: ካልኦት ሃገራት ድማ ከከም ኩነታቱ ከፊላዊ ምርጋጥን ክልኦት መምርሕታት ብምትግባር ህዝበን ካብሓደጋ ክካላኸላ ይጽዕራ ኣለዋ።
ኤርትራ ሃገርና ድማ ንዘለዋ ድሩት ሞያዊ: ሰብኣዊን ንዋታዊን ዓቅሚ ኣብ ግምት ብምእታውን: ንሓደገኛነት ኮሮና ቫይረስ ንምኹላፍ ንዘሓለፉ ኣስታት 12 ኣዋርሕ ኩለንተናዊ ምንቅስቃሳትን ሓፈሻዊ ርገጣን ብምትእትታው ንህዝባ ካብዚ ሓደገኛነት ቫይረስ ብኣብነታውነት ክትምክት ጸኒሓ ኣላ።
ዝኣክል ምድላዋት ድሕሪ ምግባርን ኣብ መዳያት ህክምና: ሰብዓዊን ሞያዊን ኣቕማ ክተደልብ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ሎሚ ናይ መጀመሪያ ስጉምቲ ናብ ንቡር ናብራ ብጥንቓቐ ይጅምር ኣሎ።
በዚ መሰረት ድማ ህዝባዊ መጉዓዝያ ዞባ ማእከል ብምኽንያት ሕማም ኮሮናቫይረስ (COVID-19) ኣገልግሎት ኣቋሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ሰኑይ 29/03/2021 ስሩዕ ኣገልግሎት መስመራት ውሽጢ ከተማን ከባቢ ዓድታትን ክጅምር ምኹኑ ወግዓዊ ሓበሬታ ዘርጊሑ።
ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ድማ ቤት ትምህርቲታትን ካልኦት ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት ስርሓን ከምዝጅምራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ይሕብር።