23.5 C
Asmara
Friday, May 5, 2023

ሓንጎል፡ ሓሞት፡ ደም

ኣብዚ ቀረባ ቕነ ንሓጺር እዋን ምስቲ ኣዝየ ዘድንቖ መራሒ ተራኺበ ከዕልል ዕድል ረኺበ ነይረ።  ምልክት ቃልሲ ኤርትራውያን ንናጽነትን ኣርካን ኣቦ ሰውራን ውሩይ መራሒ እዩ። ብትሑት ኣነባብራኡን ምቕሉልነቱን ዝፍለጥ ሰብ እዩ።

ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ዝገብሮ ንጥፈታት ካብ ዝኾነ ተራ ዜጋ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ከም ተራ ዜጋ ይኽደን፡ ኣብ መንጎ ህዝቡ ኣብ ንእሽቶ ገዛ ይነብር፡ ከምቲ ልምዲ ሕብረተሰብና ድማ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ንጥፈታት ከም ዝኾነ ተራ ዜጋ ይሳተፍ። ኣብ መላእ ሃገር ብናጽነት ዝንቀሳቐስ፡ ምስ ህዝቡ ሕዉስ መራሒ እዩ። ብኣካል ረኺብካ ከተዘራርቦ ብተዛማዲ ቀሊል እዩ። ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዓለምና ካብ ናይ ካልኦት መራሕቲ ብዓይነቱ ፍሉይ እዩ። ካብ ከተማ ውጽእ ኢሉ ኣብ ሓደ ተራ ቤት ኮይኑ እዩ ስርሑ ዘላስልስል።

ድሕሪ እቲ ዝረኸብናዮ ዕድል፡ ካብኡ ተፋኒና ምስ ወጻእና፡ ምሳይ ዝነበረት ጓል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ጓለይ ከምዚ በለትኒ። “ባባ… ምስ ፕረዚደንት ንዛረብ ዘለና ኮይኑ ኣይተሰምዓንን፡ ከም ዝኾነ ኣብ ጎደና እትረኽቦ ተራ ሰብ እዩ። ብጭውነቱን ትሕትናኡን ዝተፈልየ ኮይኑ ረኺበዮ።”

እዛ ጦብላሕታዊት ጽሑፈይ ምስ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ተጋዳላይ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝነበረኒ ጻንሒትን ኣቐዲመ ዝፈልጦ ክውንነትን እያ ትገልጽ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ሰፊሕ፡ ዓምቚን ምዕቡል ፍልጠት ዝውንንን ኮይኑ፡ ክፉት ኣእምሮኡን ልዑል ስብእንኡን  ካብ’ቲ ዝኾነ ሰብ ዝግምቶ ንላዕሊ ኮይኑ እየ ረኺበዮ። ፍሉይን ግብራዊን ናይ ኣመራርሓ ባህሪኡ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ንድሕሪት ዝምለስ፡ ካብ መዓልታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ንናጽነት ዝብገስ ውጽኢት ውህሉል ተመኩሮ ህይወትን ፍልጠትን እዩ። ክሳብ ሕጂ ድማ ካብ ብልሽውና ነጻ ዝኾነ ኣብነታዊ ሓቀኛ ሰውራውን ገስጋስን መራሒ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ካብ ፍቕርን ቅርበትን ተበጊሶም ኣብ መላእ ሃገርን ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራውያን “ወዲ ኣፍወርቂ” ኢሎም ይጽውዕዎ። ከምእንፍልጦ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ንእትፈትዎ ሰብ ወይ ንቀረባ ሰብና ወዲ ክስቶ ኢልካ ምጽዋዕ ልሙድ እዩ።

ብጾቱን መቕርቡን፡ ወዲ ኣፍወርቂ ፈጺሙ ዘይጭነቕ ብርግኣቱ ዝልለይ መራሒ ምዃኑ ይገልጹ። ወዲ ኣፍወርቂ ዋላ ኣብ እዋን ጸገም በህዱእ ኣመራርሑኡ ዝፍለጥ ኣዝዩ ገስጋሲ፡ ትኩር፡ ሚዛናዊን ተባዕን መራሒ ምዃኑ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።

ፍሉይ ብቕዓቱ ኣብ ኣናብባ ክውንነት፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ትዕግስቱ፡ ኣብ ጂኦፖለቲካዊ ጉዳያት ዘለዎ ዓሚቝ ንቕሓት፡ከምኡ’ውን ካብ ተመኩሮታት ተበጊሱ፡ ንዝቕጽሉ ዓመታት ክኽሰቱ ብዛዕባ ዝኽእሉ ጂኦፖለቲካዊ መልክዓ ምድሪ ዝገብሮም ኣዝዮም ዘገርሙ ትንበያታት ልዑል ኣድናቖት ፈጢሩሉ ኢዩ።

ትዕዝብታዊት ጽሑፈይ ብዝኾነ ይኹን ማእዝን ብዛዕብኡ ኣምልኾኣዊ ስእሊ ንምፍጣር ዝዓለመ ኣይኮነን። መራሕቲ ኤርትራ ብልኡም ኣነባብራኦም፡ ብስነ-ሓሳባውን ኣእምሮኣውን ልዕልናኦም ዝልለዩ ኣርካናት ደቂ ህዝቢን ንህዝቦም መሲሎም ዝኸዱ መራሕትን ምዃኖም ናይ ጎደና ምስጢር ኢዩ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን በጾቱን ንቅኒት ምዕራባውያን ዘይዘሉን ዘይስዕስኡን፣ ካብቶም ዉሑዳት ናይ ብሓቂ ናጻ መስመር ፖለቲካ ዝኽተሉ እዮም። በዚ ድማ ብሓራ መስመራን መርገጺኣን እትልለ ሃገረ ኤርትራ ከምስርቱ ዝበቕዑ መራሕት ኮይኖም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጽኑዕ ኣማኒ ርእሰ ምርኮሳን ፍሉጥ ተጣባቒ ነጻ ፖለቲካውን ቁጠባውን ልኡላውነት እዩ።

በቲ ዘለዎ ርእሰ ተኣማንነትን ናይ ምግባር ዓቕምን፡ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝዓበየ ሰላምን ቅሳነትን ንምምራሕ ግቡእ ዕጥቅን ተመኩሮን ዝዓጠቐ መራሒ እዩ። ብትሕትናኡ፡ ብኣኽብሮቱን ናጻ ኣተሓሳስባኡን ዝልለ ወዲ ኣፍወርቂ ፖለቲካዊ ዝሙት ኣዝዩ ዝጽየፍ መራሒ እዩ።

ኤርትራ ብእትኽተሎ ካብ ውሽጣ ዝመንጨወ ሓራ ፖሊሲታት፣ ኣብ መጋበያታት ዓበይቲ ኣህጉራዊ ኣብያተ ጽሕፈት ዲፕሎማሲ እትረኽቦ ኣኽብሮት ነጸብራቕ ናይቲ ርእሰ ምትእምማን ዝውንን ገስጋሲ መሪሕነታ እዩ።

ኣብቲ ምስ ወዲ ኣፍወርቂ ዘነበረኒ ሓጺር ጻንሒት ብዛዕባ እዋናዊ ዓለማዊ ጉዳያት፡ ተራ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ገባቲ ምዕራባዊ ኣጀንዳታትን ዝንቡዕ ፕሮፖጋንዳ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ ደቡብ (global south) ከምኡ’ውን ኣገዳስነት ምህናጽ ንቑሕን ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባ ዝወንንን መንእሰይ ዝሃበኒ መብርሂታት ኣዝዩ መሃሪ ኮይኑ ረኺበዮ።

ነፍስሄር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ ቅድሚ ስብእንኡ ብምዕራባዊ ሓገዝን ድጎማን ተገዚኡ ኣሻንጉሊት ምዃኑ ከምዚ ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ  –  “ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናይ ሓደ ሰዓት ዕላል እትረኽቦ ንቕሓትን ፍልጠትን ካብ ዓሰርተታት መጻሕፍቲ ኣንቢብካ እትረኽቦ ዝበዝሕ እዩ።” ምስዚ መግለጺ’ዚ ብልክዕ ይሰማማዕ እየ!

ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓጺር ግዜ ምሕላፍ፡ ሓሳባትካ ዳግማይ ክትፍትሽ፡ ኣድማሳትካ ከተስፍሕ ይሕግዘካ። ኻብ ኩሉ ግን ጥበብ ብቕኑዕ ኣተሓሳስባን ስብእናን ጥራይ ክብጻሕ ዝኽእል ኣርባዕተ-መኣዝናዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ዝተዋህለለ ተመክሮ ምዃኑ ክትፈልጥ ይሕግዘካ።

ዕድለኛታት ኴንና  ምስ ወዲ ኣፍወርቂ ንዲጋ ጠቐራ ከቢቡዎ ዘሎ ዘገርም ክፉት መልክዓ ምድርን ብድሕሪት እናሰነየና ስእሊ ተሳኢልና፣ ንዝነበረና ጻንሒት ድማ ዘልዓለማዊ መዘከርታ ፈጢሩሉ።

ብዛዕባ ምስ ወዲ ኣፍወርቂ ዝነበረኒ ጻንሒት ዘካፍለኩም ጦብላሕታይ፡ ብዝነገረኒ ምሳሌያዊ ምምስሳል ክጠቕልሎ እፈቱ።

“ኩሉ ወዲ ሰብ ብሰለስተ ኣዝየን ኣገደስቲ ልስሉስ ሓይልታት ዝተባረኸ እዩ” ብምባል ጀመረ። ብምቕጻል እተን ሰለስተ ልስሉስ ሓይልታት “ሓንጎል፡ ሓሞት ከምኡ’ውን ደም እየን” ኢሉ ቐጸለ። ትንተንኡ ብምቕጻል ሓንጎል ብጻዕዳ ሕብሩን ዝተሓላለኸ ቅርጹን ንፍልጠት ዓቕምን ኣእምሮን ዝውክል ክኸውን ከሎ፡ ሓሞት ምስ ቀጠልያ ሕብሩን መሪር ጣዕሙን ንመዓንጣን ድፍረትን ይውክል፡ ደም ከኣ ምስ ቀይሕ ሕብሩ  ንጸዓትን ሓይሊን ይውክል” ኢሉ ምስ ውደአ ንቑሩብ ካልኢታት ሓሰበ።

ድሕሪ ናይ ገለ ካልኢታት ስቕታ ትንተንኡ ብምቕጻል ነቲ ምሳሌያዊ ምምስሳል ከምዚ ክብል መዕጸዊ ገበረሉ።  “ነዞም ሰለስተ ልስሉስ ሓይልታት ተረዲኦም ብውህደት ዝጥቀሙሎም ሰባት ጥራይ እዮም ኣብ ህይወት ለውጢ ከምጽኡ ዝኽእሉ።”

ምስቲ ንደረቕ እምነት (dogma) ምዕራባዊ ደምበ ብትብዓት ዘቃልዐ መራሒ፡ ምስቲ ንሰረተ-እምነት ሓድሽ መግዛእታዊ ሰንስለት (Neocolonialism doctrine) ብግብሪ፡ ብሰነ-ሓሳብን ብስነ-ብኣእምሮን ዝብድህ ዘሎ መራሒ፡ ምስቲ ንቕሓት ኣብ ምዕባይ ልዑል ተራ ዝተጻወተ መራሒ፡ምስቲ ብዘይ ፍርሒ ንቕሉዕ ዓመጽ ዝተቓወመ መራሒ፡ ምስቲ ዘይተነግረሎም ብዙሓት ሸርሕታትን ጸቕጢን ዘምከነ ክቡር ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ሒደት ደቓይቕ ምሕላፍ ኣብ ህይወት ዓቢ ተምኩሮን ትምህርትን እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብርግጽ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ መራሕቲ ናይ ዘመንና’ዩ፣ ኣርማ ቃልሲ ጭቁን ህዝብታት ዝኾነ ወዲ ኣፍወርቂ፡ በቲ ጭቁን ህዝብታት ዓለማዊ ደቡብ ክምስገንን ክምጎስን እንከሎ፣ ብርዱእ ምኽንያታት ድማ በቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ደምበ ምዕራባውያን መዓልታዊ ዜናዊ ጠቐነን ስይጠናን ከቕባእ ዝወዕል መራሕ ናይ ዓለምና ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ሳላ ዓቕልን ፍልጠትን ዝመልኦ ንነዊሕ ዝጥምት ኣመራርሓኡ፡ ኩሉ እቲ ምዕራባውያን ኣብ ኤርትራ ዕግርግር ንምልዕዓል ዝገበርዎ ፈተነታት ኣይሰለጠን። ብኣንጻሩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ መላእ ዞባናን ኪኖኡን ተፈታውነቱ እናወሰኸ መጺኡ። ብዓቢኡ ድማ ንማሕበራዊ ፍትሒ፣ ርእሰ-ምርኮሳን ካብ ብልሽውና ናጻ ዝኾነን ናይ ብሓቂ ናጻን ልኡላዊን ፖለቲካዊ መስመሩን ኣተሓሳስባኡን ኣቓልቦ ይረክብ ስለዘሎ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘሕድሮ ዘሎ ጽልዋ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።

እቲ ልሙድ ኤርትራዊ ብሂል ከምዝብሎ “ኣኽላባት ይነብሑ ገመል ጉዕዞኡ ይቕጽል።”

ጅግንነት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ 50 ዓመቱ

ዓርቢ 08 ታሕሳስ 1972፡ ቅድሚ 50 ዓመት፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ምንጋሩ ዘጸግም ፍጻሜ ተኻየደ። ኣብ ክሊ ዕድመ 24- 28 ዝርከቡ ሰለስተ ኤርትራውያንን ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያንን ንነፋሪት ንመገዲ ኣየር ክጨውዩ ተበገሱ። እቶም ክልተ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ እቶም ኣርባዕተ ገሊኦም ትምህርቶም ዛዚሞም ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ...

ናጽነት ከቢድ ዋጋ ከፊልካ ይመጽእ፣ ከቢድ ዋጋ እንዳኸፈልካ ድማ ይዕቀብ

"ዝሞተ ነይክሰስ ኣብ ሰማይ ነይሕረስ" እኳ እንተኾነ፣ ስቕ ዘየብል ክትዕዘብ እንከለኻ ስቕታ ኣይትመርጽን። "ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትንኣ ትናፍቕ" ከምዝብሃል ብምኽንያት ሞት ንግስቲ ዓባይ ብርጣንያ ልዕልቲ ኤልሳቤጥ፣ መንግስቲ ኬንያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጁ ክትስምዕ ዘደንጹው እዩ። መቸም ብሰንኪ ምስፍሕፋሕን ጎበጣን ንግስነት ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ሃገራትን...

Shida Friendship Forum

On the occasion of Eritrea’s 31st Independence Celebrations, Shida Media will live stream a panel discussion on Saturday 21st of May at 9AM LA time, 12PM NY time, 6PM Berlin time and 7PM Asmara and Addis Ababa time. The distinguished panelists are: Alemseged Tesfai -...

ህዝብን መንግስትን ኣብ ሓደ ህርመት

ነበርቲ ዛውል ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ብተፈጥሮ ዝተዓደልዎ ንሕርሻ ምችእ ዝኾነ ትሕዝቶ ማይን መሬትን ኣለዎም። ነበርቲ ዛውል ነዚ ብለጫ እዚ ናብ ረብሓኦም ብምውዓል ብሕርሻ ጀርዲን ፍርያቶም ካብ እቶም በቐንዲ ዝልለዩ ሓረለስቶት እቲ ካባቢ ኮይኖም ካብ ዝፍለጡ ዘመናት ኣቁጺሮም እለዉ። ኣብ ርእሲ እቲ ንዘመናት ዘጥረይዎ...

Must read

More articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

- Advertisement -spot_img

እዋናዊ ዜና