ድርብ ዕያር ሃገራት ምዕራብ

0
51
Double air countries in the west.

ኩላትና ከም ዝተኸታተልናዮ ብስም ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝወጸ ንኤርትራ ካብ ትግራይ ክትወጽእ ዝጽውዕ መግለጺ ተዘርጊሑ ቀንዩ። እቲ መግለጺ ድጋፍ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብስም ኢምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ቀዲሙ ዝወጸ ሓጺር ወግዓዊ ዘይመስል ጽሑፍ’ዩ ነይሩ።

እዚ መግለጺ ብዙሕ ሕቶታት ዘለዓዕልን ንባህሪ ምዕራባውያን ካኣ ዝገልጽን ኮይኑ ንረኽቦ። ሕልፊ ኩሉ ግን ንሉኡላዊ ሕርያ ኢትዮጵያ ዝግህስ ምዃኑ፡ ኣስደማሚ ይገብሮ። ኣብ’ታ ኣካል ኢትዮጵያ ዝኾነት ትግራይ ንህላወ ሰራዊት ኤርትራ ንዓለም ክትሕብርን ካብ መሬታ ክወጽእ ክትጽውዕን ዝግበኣ ኢትዮጵያ ክንሳ ኤውረጳዊ ሕብረት ይኹን መንግስቲ ኣመሪካ እንታይ ገደሶም? ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝግደሱ እንተኮይኖም ‘ከ ሰለምንታይ ነቲ ኢትዮጵያ ወሪሩኒ’ሎ ትብሎ ሰራዊት ሱዳን ካብ’ቲ ብሓይሊ ሒዘዮ ዝብሎ መሬት ክወጽእ ዘይጽውዑ?

ንሕና ከም ኤርትራውያን ዘገድሰና ግን ናትና ብምዃኑ፡ ነቲ ኣብ ግዜ ሰውራ እኳ ብድስፕሊኑ ዝልለ ህዝባዊ ሰራዊት ብሩሑቕ ኮይኖም ዝረኣዩ ዘይብሎም ክውንጅልዎ ቁኑዕ ድዩ? ከይረኣየ ዝፈርድ ሚዛናዊነቱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝእቱ ወገን ጥራይ’ዩ። ሰለምንታይ’ከ ምዕራባዊ ዓለም ነቲ ብምሁራት ኤርትራውያን ብስነ-ፍልጠታዊ ኣገባብ ዝተደገፈ ንግፍዕታት ወያነ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝገልጽ ኣብ ኢዶም ዝበጽሐ ሰነዳት ዕሽሽ ኢሎሞ ከምዘይረኣዩ ኮይኑም ክሓልፉ ከምዘይመረጹ ሎሚ ንተላባዒ ናይ ሓሶት ወረ ተደናገጽቲ-ወያነ ከም ክውንነት ክቕበልዎ መሪጾም ካልእ ሻራዊ ባህሪ እቲ ትካል ዘርኢ ትዕዝብቲ’ዩ።

ሃገራት ምዕራብ ነቲ ሉኡላዊ መሬተይ ተወሪሩኒ፡ ከም ኣውሓስቲ ስምምዕ ኣልጀርስ መጠን፡ ወያነ ካብ ሉኡላዊ መሬተይ ክወጽእ ሓብርዎ ዝበሎም ህዝቢ ኤርትራ ጸማም እዚኒ ምሃቦምን፡ ሎሚ ካኣ ነቲ ኣብ መሬቱ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእ ምጽውዖምን ድርብ ዕያሮም ጥራይ’ዩ ዘብርህ። በኣንጻሩ ነቲ ሰላም ዝተሓሰመ ወራሪ ጭፍራ ፋይናንሳውን ፖለቲካውን ሓገዝ ክምጥውሉ’ዮም ተራእዮም።

እዚ ኮነ እቲ ኤውሮጳ ትግዓር ኣመሪካ፡ ክኸሰና ዝግቦኦ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ዩ – ጌጋ እንተዝህሉ፡፡ ክሳብ ዘይከሰሰና ግን ንሶም ዘምጽእዎ ነገር የለን። ብስም መን’ዮም ‘ከ ክኸሱና ኢትዮጵያ ኣይተወረርኩን ኣንዳበለት?

እዘን ውቅያኖሳት ሰጊረን ዝወራን፡ ኢልቢ ዘይብሎም ግፍዕታት ፈጺመን ሓታቲ ዘይብለን ዝነብራ ሃገራት ምዕራብ ‘ከ፡ ሞራላዊ ብራኸ ሃሊወን ክኸሳ ዘኽእለን ድፍረት ካበይ ኣምጽአንኦ። ኣብ’ዚ ‘ውን “ቁኑዕን ጌጋን ብዓይኒና ጥራይ’ዩ ዝልለ” ዝብል ሕማቅ ትዕብቶም ይረኣየካ።

ሓደ ደም እንዳ ጠዓሞም ክቕበልዎ ዝግበኦም ሓቂ ግን፡ እቲ ሸቓሊኦም ዝነበረ ጭፍራ ወያነ ተቐቢሩ’ዩ። ብስሙ ምውዳብ ኣብ ኢትዮጵያ ካኣ ገበን ክሳብ ዝኾነ፡ ወያነ ብመኻኑ ዝሞተ ኣሸባሪ ውድብ ኮይኑ ኣብ ናይ ታሪኽ ጎሓፍ ሰፊሩ’ሎ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!!

ዓወት ንሓፋሽ!!

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here