ቀዳማይ ክፋል
ከመይ ዓይነት ድፍረት’ዩ ተዓዲሉዎ? ብልሓቱ እምበር ይገርመካ? እቲ ሰሓቑ፡ ጭርቃኑ’ባ ኣለካ! ተወፋይነቱኸ ወደይ!….. ብዛዕባኡ ሕማቕ ዝዛረብ ሰብ ይከሰስ።
ኣብ ገድሊ ካብ ዝፈለጥኩዎም ብሉጻት ጀጋኑ’ዩ – ብጻይ ዘርእዝጊ ዳዊት (ገናውኖ)።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ነታ ወለዱ ዘጠመቑዎ ሽሙ ንዝዓብለለት ሳጓኡ፡ ብናይ ቅብጥሮት ኣጸዋውዓ ገኔ ኢልና ኢና ንጽውዖ። ዘርእዝጊን ገኔን እናበራረኹ ክጽውዖ እየ።
ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ካብ ዘካየድኩሎም ደቂ ኣሃዱና እዩ። ኣብ ታሪኽ ፍሉይ ተገዳስነት እዩ ነይሩዎ። ብዛዕባ መሰክሕ ኵናት ሰላሕታ ወራር፡ ኣብ ቀላጥ ምድረበዳ ምስ ጸላኢ ጥራይ ዘይኰነ ምስ ባህሪ’ውን ዝተዋጋእናሉ ውግእ ጐልጎል ግራት፡ ኣብ ወራር ባሕረ-ነጋሽ፡ ኣብ መንጎ ደብረ-እበንን ሽግለትን፡ ብመሪሕነቱ ዝቐነናዮ፡ ብፍላይ ኣብ ሓንቲ ፈታኒት ለይቲ ዝሓደርናዮ ናይ ኢድ-ብኢድ ጥምጥም ጋንታናን ዘርኣየና ጅግንነትን…ብውልቅን ብጕጅለን ዘኪርናዮም። ኣስተንቲንናሎም። ስሒቕናሎም።
ንሕክምና ክገይሽ ከለኹ ብድሮ መጺኡ ተፋንዩኒ።
“ሓዊኻ፡ ከምቲ ናይ ቀደም ሻባይ ዲር-ዲር! እናበልካ ትምለሰና ይግበርካ። እዛ ጀሚርካያ ዘለኻ መጽሓፍ መፈጸምታኣ የርእየና። ዕድመን ጥዕና ይሃብካ” ኢሉኒ።
“ኣሜን! ኣያ ዘርእዝጊ። ምርቓኹም ይብጻሓና” ኢለዮ። እናሰሓቕና ተፈላሊና።
ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ምስ ሕክምናይ እና’መንጐኹ፡ ናብ ሳሕል’የ ተመሊሰ ቀንየ። ብሓሳብን ብገድሊ ገድሊ ዝሽትቱ ናይ ጅግንነት ዛንታታትን። ንገለ ካብቲ ዘዕለልናሉ ዛንታታት ክጽሕፍ ኢለ ዝጀመርኩዎ ዕዮ መቂሩኒ እዩ ቀንዩ።
እታ ፍልይቲ ጦብላሕታ ዝገበረትለይ ግን ኣብታ ዝተሰዋኣላ መዓልቲ፡ ንዕላል ዘርእዝጊ ዝርከቦም ደቂ ሓይልና ከወሃህድ፡ ምቍር ዕላላቱ፡ ሰሓቑ፡ ጭርቃኑ ከስተማቕር ምውዓለይ እዩ።
ከባቢ ፍርቂ ለይቲ፡ ከዕርፍ ኣብ ዓራተይ ምስ ደየብኩ፡ ሽዑ ምሸት ዝተጻዕነት ካልኣይቲ ክፋል ናይቲ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ርእየዮ። ንዓመታት ብተደጋጋሚ ኣዕሊሉኒ እንከሎ፡ ኣብ ቅንያት መስዋእቱ ምስ EMN ቃለ መጠይቕ ምስ ገበረ እንደገና ሓዲሱኒ። ተኣኒነ ደጋጊመዮ። ኣይምኖን እዩ።
“ናይ ስግረ-ዶብ ስርሒታትና ብግቡእ ኣይተጻሕፈን። ነብሱ ዝኸኣለ ዓቢ መጽሓፍ ክጸሓፍ ኣለዎ” ብቐጻሊ’ዩ ዝደጋግመለይ ነይሩ። ወለዶና፡ እቲ ንወያነ ዝገበርናሎም ደገፍ ኣቃሊሉ ከይርእዮን ብደሮናታቶም ከይደናገርን ስክፍታኡ ብቐጻሊ እዩ ይዛረብ ነይሩ። ንእሽቶ ካብ ውዕሎታቱ ኣብ ድሮ መስዋእቱ ቀንጪቦም ንሰነድ ብምብቃዖም ንማሕበራዊ መራኸቢ EMN ምስጋና ይግብኦም’ዩ።
ምስ ዘርእዝጊ እናኽንራኸብ፡ ዕላልና ኣይውዳእን’ዩ። ብዘይካ’ቲ ብሓባር ዘሕለፍናዮ ሂወት ገድሊ፡ ካባና ተቐዪሩ ናብ መካናይዝድ 74 ምስ ከደ ዝፈጸሙዎ ቅያታት ከዕልለካ እንከሎ መደንጾ እዩ።
ዕላል ረገጻ
ሓንቲ ካብተን ዝፈትወን ዛንታታት እያ። ሰራዊት ወያነ፡ ኣብ 1991 ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ከለዉ፡ ታንኪ፡ መድፍዕ ይኹን ረሻሽ ይመልኩ ኣይነበሩን። ንነገራት ኣብ ሰፊሕ መቃን ኣእቲኻ ናይ ምጥማት ባህሊ ዘማዕበለ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ዕምሪ ስርዓት ደርግ ከሕጽር ቦታን ግዜን ከይገደሶ እዩ ዝጋደል ነይሩ። ኣብ ድሮ ናጽነት ኤርትራ፡ ነቶም እንዶ ከበድቲ ኣጽዋር ዘይነበሮም ተልመዴናት ወያነ፡ ናይ መካናይዝድ ኣሃዱታቱ ሂቡ እዩ ንኣዲስ ኣበባ ኣንቂሉዎም።
ኣብቲ ውግእ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ወያነ፡ ምፍንጣስ ንዝሰኣኑዎ ዕርዲ ጸላኢ፡ ናብ ታንከኛታት ሻዕብያ እናጠርዑ እዮም ሓሊፎሞ። “ረገጻ ግበሩልና!” ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውዕሎ ውግእ ንታንከኛታትና ዝቐርበሎም ዝነበረ ጥርዓን እዩ። ዘርእዝጊ ዝርከቦም ተባዓት ታንከኛታትና፡ ነቲ ወያነ ምድፋር ዝሰኣኑዎ ሰራዊት ደርግ፡ ብሰንሰለት ታንክታቶም እናሓምተሉ የዅሱዎ በቃ! ከምዚ ናይ እኽሊ መኼዳ የኽይዱዎ። ምስ ጠሓሓኑላ በቃ፡ ሽዑ ወያነ ሰለል ኢላ ትሰግር። ኣዲስ ኣበባ ብኸምዚ እዮም ኣእትዮማ።
ኣብ ዕላል ጅግንነት ገኔ ካብ ዝስሕባኒ፡ እታ ኣብ ግንቦት 1991፡ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣራት ኪሎ ክኣትዉ ኸለዉ ዝገበራ ናይ ምህማል ስርሒት እያ።
ኣብታ ስርሒት ምህማል ዝገበሮ ቅያ ከዕልለኒ እንከሎ፡ ኣጸቢቐ ዝፈልጦ ጅግና ምዃኑ እናፈለጥኩ መመሊሰ እግረም ነይረ። ድፍረቱ፡ ተዓጻጻፍነቱ፡ ተወፋይነቱ መግለጺ ቃላት ይስእነሉ።
ድምብርጽ ከይበሎ ንወተሃደራት ደርግ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ-መንግስቶም ተደቕዲቑ፡ ኣባሎም ተመሲሉ ኣብ ማእከሎም ኣትዩ ሰላም ኢሉ ኣሀሚሉ፡ ብታንኪ ክጥሕኖም ዘደንጹ እዩ። ኣብ ገሊኡ ከዕልለካ ኸሎ፡ ካብ ህያው ፍጻመ፡ ናብ ድሩስ ፊልም’ዩ ዝቐርብ። ግን ከኣ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ብግብሪ ዝሰርሑዎ ተኣምራታዊ ሓቂ ደጋጊምካ ሰሚዕካዮ ዘይምኖ ዛንታ ጅግንነት!
ንጕሆ ተሲአ መርድእ መስዋእቱ ምስ ረኣኹ ሰንቢደ። ቀዚዘ። አረ ንገለ ደቓይቕሲ ኣይኣመንኩን። ተሓዋዊሱኒ በቃ። ቅድሚ ሰዓታት ብዛዕባ ንዘይወዓሎ ክኣምኖ ዘጸግም ቅያ ኣራት ኪሎ ከዘንቱ ዝሰማዕካዮ ጅግና “ተሰዊኡ!” ክትሰምዕ ንምእማኑ እምብዛ ከቢድ’ዩ። ነቲ ሰብ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ እንተዀንካ ከኣ’ሞ…።
ምሉእ መዓልቲ ካልእ ነገር ክሰርሕ ኣይከኣልኩን። ኣማስያይ፡ ንጅግና ብጻይ ዘርእዝጊ፡ ምስ ውዑይ ስምዒተይ ገለ ክሓናጥጠሉ ደልየ።
ብዛዕባ ገኔ ዝበሃል እምብዛ ብዙሕ እዩ። ኣብ ክልተ ዝኽርታት ክሕጸር ወሲነ። ዝኽሪ፡ ብቐጻሊ ዘዕልለኒ ዝነበረ ናይ ቤተ-መንግስቲ ኣራት ኪሎ ቅያኡን ናይታ ንዓይ ብሂወት ንኽህሉ፡ ሂወቱ ወፍዩ ዘድሓነኒ ዝኽሪ ኣሃዱናን። በታ ናይ ኣራት ኪሎ ክጅምር።
ነቶም ኣብ ቃለ መጠይቑ ዝሰማዕኩሞ መዘኻኸሪ፡ ነቶም ዘይሰማዕኩሞ ድማ ብጽማቝ ምትንካፉ ዝጽላእ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን። በቲ ሓደ ኣብ ስነዳ እንተሓገዘ። ዝተጻሕፈ ስለ ዘይመውት። ብቐንዱ ግን መንእሰይ ወለዶና፡ ሓቀኛ ታሪኽ ኣያታቱ ኣብ ምውራስን ካብ ምድንጋር ኣብ ምድሓንን ገለ ኣበርክቶ እንተሃለዎ ኢለ ሓሲበ። መን ይፈልጥ! ፊልም ክሰርሖ እየ ኢሉ ዝብገስ ህርኩት ጥበበኛ’ውን ኣይሰኣንን ይኸውን።
እዚ ብኣጋጣሚ መስዋእቲ ብጻይ ዘርእዝጊ (ገኔ) ዝተናኽፎ ዘለኹ ዝኽሪ፡ ናብታ ናብኡ ትጽጋዕ ክፋላ ጥራይ ኣጽቢበ ዝዘከርኩዎ ጦብላሕታይ እምበር፡ ንብምሉኡ ቅያ ታንከኛታትና ኣብ ምሕራር ኢትዮጵያ ወይ ውዕሎታት ኣሃዱና ኣይኰንኩን ከዘንቱ። ንሱ’ሞ ብዝሰፍሐ መልክዑ ተጸኒዑ’ዩ ክተሓዝ ዘለዎ።
እሞ ምስ ዘርእዝጊን ብጾቱን ንኣራት ኪሎ ንኺድ እስከ
“ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ንወያነ ሓንጊሩ፡ ኣብ መንበር ኣራት ኪሎ ኮፍ ኣቢሉዋ” ክንብል ከለና፡ ኣብቲ መጋርያ ኵናት ኢትዮጵያ ተጠቢሶም ተኣምር ብዝፈጸሙ ተጋደልቱ ኣቢሉ እዩ። ሓደ ካብኣቶም፡ ነታ ቀዳመይቲ ታንኪ መሪሑ ዝኣተወ ብጻይ ዘርእዝጊ ዳዊት (ገናውኖ) እዩ።
ሰሉስ 28 ግንቦት 1991 ሰዓት ሓሙሽተ ወጋሕታ። ኣርባዕተ ታንክታት ሒዙ ንቤተ-መንግስቲ ኣራት ኪሎ ክሕዝ ዝተመደበ መራሒ ሓይሊ ታንከኛ ዘርእዝጊ ዳዊት፡ ከም ኣዛዚ፡ ንኣባላቱ ብድሕሪት ኰይኑ ክእዝዞም ኣይደለየን። ባዕሉ ምስታ ቀዳመይቲ ታንኪ ክኣቱ እዩ ወሲኑ። ብቐዳመይቲ እትትኰሰካ ቦምባ ክትጠፍእ፡ ወይ ድማ ብቐዳመይቲ ዝተኰስካያ ቦምባ ከተጥፍእ’ዩ እቲ ንቕሎ። ፈረቓ-ፈረቓ ዝበሃል የለን። ወይ ግብ ወይ ክብ’ያ!
ታንከኛታትና ንሓምሳ ታንክታት ኣብ ውሽጡ ዝዓረዳሉ ቤተ መንግስቲ ኣትዮም ብኣርባዕተ ታንክታት ክጋጠሙ ኣትዮም ኢና ንብል ዘለና። እቲ ምጣኔ ጥራይ ንባዕሉ ዘደንጹ እዩ። ሓንቲ ታንክ ሻዕብያ ኣንጻር 12-13 ታንክታት ደርግ ማለት’ዩ።
እቲ ዝንገረና ዝውቱር ዛንታ ግጥም ዳዊትን ጐልያድን ኣይገልጾን እዩ። ክቕየር ኣለዎ!
በዓል ዘርእዝጊ ናብ ቤተ-መንግስቲ ገጾም እናቐረቡ ምስ መጹ፡ ታንክታት ጸላኢ ድብያ ገይረን ከይሃርማኦም ተጠራጠሩ። ኣብ ከባቢ ኣፍሪቃ ኣዳራሽ ምስ በጽሑ፡ ተጠንቂቖም ከባቢኦም ተቘጻጸሩ። ሽዱሽተ ንሓለዋ ዝቘማ ዝመስላ ታንክታት፡ ኣብ ቅድሚት ሸነኽ ናይቲ ቤተ መንግስቲ ተገዲመን ተዀዲመን ነበራ። ቦምባታቶም ኣጕሪሶም ንበርቃዊ ግብረ-መልሲ ተዳለዉ። እቶም ብተመኵሮ ዝበሰሉ ናይ ሳሕል ታንከኛታት፡ ኣተኵሮም ኣስተውዓሉ። ዝዀነት ታንኪ ንቕድሚኣ ዘሎ ዕላማ ክትሃርም እንተዀይና፡ ሻምብቆኣ ትሕቲ 45 ዲግሪ ክድፋእ ከም ዘለዎ ኣማእዝዮም ይፈልጡ እዮም። ሻምብቆታት ብረት ናይተን ዝጠርጠሩወን ሽዱሽተ ታንክታት ጸላኢ ግን 45 ዲግሪ ኣንቃዕሪሩ ነበረ። ክሃርማኦም ዝተዳለዋ ዘይምንባረን ኣረጋጊጾም፡ ጕዕዞኦም ናብ ቀጽሪ ቤተ-መንግስቲ ኣራት ኪሎ ኣምርሑ።
ኣብቲ ቀጽሪ ክኣትዉ ምስ ቀረቡ፡ ሓንቲ ንእሽቶ መኪና ዝሓዘ ዲፕሎማት፡ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ሆቴሉ ክኣቱ፡ ኣብ ኣፍደገ ቤተ-መንግስቲ ጐፍ በሎም። መኻልፍ! እቶም ታንከኛታት ክሰዱዎ ኣይደለዩን። ምኽንያቱ፡ ምስጢር ኣውጺኡ ንሃንደበትነት ናይቲ ስርሒት ከፍሽሎን ዘይተደልየ ዋጋ ከኽፍሎምን ይኽእል እዩ። ካብ ታንኮም ዘዘሊሎም ብምውራድ፡ ደው ክብል ኣዘዙዎ። እቲ ዲፕሎማት፡ ኵሎም ዘይሰምዑዎ ስዋሂሊ ዝጥዕም ቋንቋ እናተዛረበ ክኸይድ ፈተነ። ብረታቶም ኣቕኒዖም ፍሕት ከይብል ኣጠንቀቑዎ። ፈሪሑ ደው በለ። ማዕጾ መኪናኡ ከፊቶም ሓኒቖም ኣውረዱዎ። ሞተረ ናይታ መኪና ከጥፍኡዎ ደለዩ። እታ መኪና ሓዲሳቶም ግን ኣይከኣሉን። ክከራኸሩዋ ኣይደለዩን። ጠንጢኖማ ናብ ቀንዲ ዕማሞም ኣተዉ።
ነታ ናይቲ ዲፕሎማት መኪና ገዲፎማ ብግስ ክብሉ ኸለዉ፡ ብደገ ናብ ውሽጢ ቤተ መንግስቲ ዝኣቱ በዓል መጠምጠምያ ቐሺ ህሩጕ በሎም። ካልኣይ መኻልፍ! ነታ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ-መንግስቲ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ክኸፍት ዝገስገሰ ቐሺ እዩ። ደው ክብል ኣዘዙዎ። ኣባ ቐሺ ግድን ክሓልፍ ኣለኒ ኢሉ ኣዕገርገረ። ንሂወቱ ሓደገኛ ምዃኑ ኣጠንቀቑዎ። “ደሓን ኣብታ ቤተ-ክርስትያን እንተሞትኩ ሓላል እዩ” እናበለ ክፍንጥሶም ድንዕ-ድንዕ በለ። እምነት ሓያል! በሉ ብውሽጦም። እንተሕሊፎሞ ነቶም ወተሃደራት ክሕስወሎም ስለ ዝዀነ፡ ሓይሊ ክጥቀሙ ተገደዱ። ኣብ ጕንዲ እዝኑ ብረት ኣቕኒዖም፡ ብዘይ ዘረባ ክጽጋዕ ኣዘዙዎ። ኣቦይ ቀሺ ሰላሕ ኢሉ ተጸግዐ።
ዘርእዝጊ፡ ነተን ሰለስተ ታንክታት፡ ክኽተልኦ ንትሕጃ ብድሕሪት ሓቢኡ፡ ከም ኮማንደር ናይታ ኣውቲስታኣ ወዲ ዘለቀ፡ ተኳሳይ መድፍዕ ዑመርን ኣጕራሲ ቦምባ ሺሻይን ዝነበሩዋ ቀዳመይቲ ታንኪ ኰይኑ፡ ራብዓይ ርእሱ ናብ ውሽጢ ቤተ መንግስቲ ተደቕደቐ።
ኣብቲ ቀጽሪ ክኣትዉ ከለዉ፡ ውሑዳት ወተሃደራት፡ ካብ መደቀሲኦም ተሲኦም መናጸፎም ይዓጽፉ ነበሩ። ግዲ ኣይገበሩሎምን።
“ማን ነህ?” ኣድመጸ ኣብ መንጎ’ተን ታንክታት ኣብ ሓለዋ ዝጸንሐ ወተሃደር።
“የወገን ሰራዊት ነን” (ናይ ወገን ሰራዊት ኢና) በሎ ካብ ታንኩ ዘሊሉ ዝወረደ ዘርእዝጊ። ኣብ ኢትዮጵያ ነዊሕ ዓመታት ስለ ዝሰርሐ ኣምሓርኛኡ ዘጠራጥር ኣይነበረን። ሽዳኡ ከይርአ ብፊስቶ ነዳዲ ናይታ ታንኪ ተኸዊሉ ሽጕጡ ኣዐንቂሩ ነቲ ወተሃደር ቀሪቡ ሰላም በሎ።
“ስንተኛ ሻለቃ?” (ኣየናይ ሻለቃ?) ሓተተ እቲ ወተሃደር።
ዘርእዝጊ ተዋጠረ። ኣብታ ለይቲ ካብ ሰንዳፋ ልዕሊ 40 ኪሎ ሜተር ተጓዒዞም ስለ ዝመጹ፡ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ታንከኛታት ደርግ ውዳበን መጸውዒን ዝዀነ ሓበሬታ ኣይነበሮን።
“ስንተኛ ሻለቃ ናችሁ ነው የምልህ?” (ኣየናይ ሻለቃ ኢኹም’የ ዝብለካ ዘለኹ?) ግርጭ ኢሉ ነታ ሕቶ ደገማ እቲ ወተሃደር ብረቱ እናወጣወጠ።
“ኣንተ ሰውየ እንዳትተኵስ! ተኵስ ኣቍም ተብለህ የለ እንዴ እንዳትተኵስ” (ኣታ ሰብ ከይትትኩስ! ተዅሲ ደው ኣብል ኣይተባሃልካን ዲኻ?) ዘርእዝጊ ኣጋውሎ ናይቲ ወተሃደር ምስ ረኣየ፡ ሕቶ ዝተሓወሶ መጠንቀቕታ ሃቦ። ነቲ ቅድሚ ሳልስቲ ድሕሪ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ስልጣን ኣፍደገ መቓብር ዝተቐበለ ጀነራል ተስፋዬ ገብረኪዳን ንዘመሓላለፎ መልእኽቲ’ዩ ብሃንደበት ዘኪሩዎ። እቲ ወተሃደር ነቲ ብራድዮ ኢትዮጵያ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ሰሚዑዎ ክኸውን እናተተስፈወ።
እቲ ወተሃደር ነገራቱ ድንግርግር ኢሉዎ ጠጠው ኢሉ ጠመቶ።
ዘርእዝጊ፡ ናብ ታንኩ ምልስ በለ። ሃንድ ሰት ረድዮኡ ኣልዒሉ “ተበገሱ!” በሎም፡ ነቶም ኣብ ተጠንቀቕ ዝገደፎም ሰለስተ ታንክታት ዝዓጠቑ ብጾቱ። ብየማናይ ኢዱ ሽጕጡ ዓቲሩ ግልብጥ ክብል ከሎ፡ ብላዕሊ ሓደ ካልእ ወተሃደር ናብኡ ገጹ ክመጽእ ረኣየ።
“ሻለቃ!” ኢሉ ተዳህዮ እቲ ዋርድያ ወተሃደር ናብኡ ክመጾ ስለ ዝደለየ።
‘ሻለቃ’ ትብል ቃል ዝሰምዐ ዘርእዝጊ፡ እቲ ዝመጾ ዘሎ ወተሃደር ኣዛዚ ምዃኑ ተረድኦ። ምስቲ ሻለቃ’ውን ሰላምታ ተለዋወጠ። ኢድ ንኢድ ተጨባበጡ።
“ስንተኛ ሻለቃ ነህ?” (ኣየናይ ሻለቃ ኢኻ?) እቲ ሻለቃ ነታ ዘርእዝጊ ዘይፈትዋ ሕቶ ናይቲ ወተሃደር ደገማ።
ገኔ ከም ዘይሰምዖ መሲሉ ብጐኒ ናይታ ታንኪ ተንቀሳቐሰ።
“ሞተር ኣጥፉ እንድንግባባ!” (ክንረዳዳእ ሞተረ ኣጥፍኡ) በለ ሻለቃ ብሓውሲ ትእዛዝ።
ሞተረ እንተጠፊኡ ነገር ተበላሽያ ማለት’ያ። ዘርእዝጊ፡ ኣጻብዕቱ ኣብ ቃታ ኣእትዩ፡ ብየማነይቲ ኢዱ ምስ ነብሱ ብምጽጋዕ ከምዘይትርአ ገይሩ ዝሓዛ ሽጕጡ ዓቲሩ ናብ ታንኩ ገጹ ተጠውየ።
ኣብ ኣፍደገ ዝጸንሐት በዓል ገዛኢ ሰለሞን ዘለውዋ ታንኪ እናሓምሓመት ጠበቕ በለት። እቲ ዋርድያን እቲ ሻለቃን ተጠራጠሩ።
“ሞተር ኣጥፋ ነው የምልህ!” (ሞተረ ኣጥፍእ እየ ዝብለካ ዘለኹ!) እንታይ ከም ዝተሓስበሉ ዘይፈለጠ ሻለቃ ክንድር ጀመረ። ግልብጥ ኢሉ ድማ ናብ በዓል ገዛኢ ዝነበሩዋ ታንኪ ከደ።
“እቲ ሓደ ኣብዩና እዩ። ንስኻ ከኣ ካብዛ ታንኪ ከይትወርድ” በሎ ነገራቱ ጋን ዝዀኖ ሻለቃ ንገዛኢ ብትግርኛ ክዛረብ ምስ ሰምዖ። ምስቲ ዋርድያን ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ወተሃደራትን ፍረ ነገሩ እቶም ታንከኛታት ተጋደልቲ ዘይሰምዑዎ ተዘራረቡ።
ገለ ካብቶም ድምጺ ሞተረ ታንክታትን ዝርርብ ሰባትን ዝሰምዑ፡ ደቂሶም ዝነበሩ ወተሃደራት፡ ብድድ ብድድ ክብሉ ጀመሩ። ፍሉይ ወተሃደራዊ ልብሲ ዝተኸድኑ ምንባሮምን ግዝፎምን ዝረኣዮም ዘርእዝጊ፡ ካብቶም ሓለዋ ቤተ-መንግስቲ ምዃኖም ገመተ። ድሮ 30 ዝዀኑ እግረኛ ወተሃደራት ተሲኦም ናብኣቶም ገጾም ወረር ወረር ክብሉ ጀመሩ። ሓምሳ ታንክታት ዓጢቖም ንኽዋግኡ ዝተዳለዉ ወተሃደራት ብሰላም ዕጥቆም ፈቲሖም ክማረኹ ይኽእሉ እዮም ዝብል ሓሳብ ዘይነበሮም ታንከኛታት ህዝባዊ ግንባር ኣይተዳህለሉን። ኣእዳዎም ኣብ ቃታ ኣቐሚጦም፡ ሞተረ ታንክታቶም ኣርሲኖም ክጠሓሓኑ ተዳለዉ።
ልክዕ ኣብታ እዋን ብኻልእ ሸነኽ ኣዲስ ኣበባ ናይ ረሻሽ ተዅሲ ተሰምዐ።
ኣዘዝቲ ሰራዊት ወያነ፡ ንኣዲስ ኣበባ ተዋጊኦም ከም ዝሓዙዋ ከምስሉ፡ ብትእዛዝ ዘተኰሱወን ውሑዳት ጠያይት እየን። ኵሎም ኣብ እግሪ ታንክታቶምን ኣብ ፈቐዶ ኵርናዓት ቀጽሪ ቤተ-መንግስቲ ኣራት ኪሎን ደቂሶም ዝነበሩ ወተሃደራት፡ ብድምጺ ናይቲ ተዅሲ ተበራቢሮም ተስኡ። ሓንቲ ታንኪ ብውሽጢ ቤተ-መንግስቲ ብናህሪ ተቐልቀለት።
ዘርእዝጊ ዘሊሉ ናብ ታንኩ ኣትዩ ትሮት ዓጸወ። ንመድፍዓጂ ዑመር “በላ!” በሎ ብዓውታ።
ምኵር ተኳሳይ ዑመር፡ ነታ 10 ሜትሮ ኣቢላ ቀሪባቶም ዝነበረት ታንኪ ጸላኢ ርሕቀት ምዕቃን ዘድልዮ ኣይነበረን። ኣነጻጺሩ ቦምባኡ ሰደደ። እታ ታንኪ ተበታተነት። ኵሎም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ወተሃደራት ብጅላዳት ናይቲ ቦምባ ተረፍተቱ። ኣውያት፡ ዕግርግር፡ ትኪ፡ ሃልሃልታ … ኣራት ኪሎ ተናወጸት።
ታንከኛታትና ካልኣይቲ ቦምባ ሰደዱ። ነቶም ወተሃደራት ለኪማ ኣብ መኽዘን ኣጽዋር ዓለበት። ቤተ-መንግስቲ ናብ እቶን ተቐየረት።
እቲ ዝተባርዐ ቦምባታትን ጠያይትን ዘስምዖ ድምጽን ቃጸሎን፡ ካብኡ ብዝነጥር ጅላዳት ዝቕዘፉ ወተሃደራት፡ ታንክታቶም ገዲፎም ዝሃድሙ፡ ኣብ ታንክታቶም ደዪቦም ዝዕቈቡ…ንጕሆ ምድሪ ምድረ-ሰማይ ኣንቀጥቀጠት።
ብመንጎ’ቲ ሃልሃልታ፡ ብውሽጢ ቤተ-መንግስቲ ሓንቲ T-62 ዝዓይነታ ታንኪ ዝሓዙ ታንከኛታት ደርግ፡ ሻምብቆኦም ኣቕኒዖም ናብ በዓል ዘርእዝጊ እናተሓምበቡ መጹ። ታንኪ ክትቅልቀልን መድፍዓጂ ዑመር፡ ነቲ ዝረጐደ ድርዒ ታንኪ ኣምኪኹ ናብ ጭቃ ዝቕይር፡ ናይ 3,000 ዲግሪ ሰንቲግረይድ ዋዒ ዘለዎ ኣንኳሊ ቦምባ ሰዲዱ ክግስማን ሓደ ኰነ። እታ ታንኪ ኣብ ክልተ ተመቲራ መኸኸት። ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ወተሃደራት ብዕጹዋቶም ከም ቋንጣ ሓረሩ። ቤተ መንግስቲ ናብ መጋርያ ተቐየረት።
ሓንቲ ካብተን ዝገርማኒ ዕላላት ገኔ፡ እታ ዝማረኹዋ ናይቲ ወጻእተኛ ካሜራ እያ። ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ካብተን ኣብ ውሽጢ ቤተ-መንግስቲ ኣዒመን ከለዋ ብድፍረት ገኔን ብጾቱን ኣሀሚሎም ዝማረኹወን ታንክታት ጸላኢ እያ ጸኒሓቶም። እቲ 50 ታንክታት ዝዓጠቐ መካናይዝድ ብርጌድ ደርግ፡ ብድሮ ናብ ውሽጢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ንብረትን ገንዘብን ህዝቢ ክዘምት’ዩ ውዒሉ። ኣብታ ከተማ ካብ ዝነበሩ ወጻእተኛታት፡ ሓደ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ብነዊሕ ዙም ክስእሎም ረኣዩዎ። ክሕዙዎ ናብኡ ገጾም ጐየዩ። ወተሃደራት ክመጹዎ ዝተዓዘበ ሰኣላይ ወጻእተኛ፡ ካሜራኡ ደርብዩሎም ሃደመ። ነታ ካሜራ ምስ ረኸቡ ኣይሰዓቡዎን። ሒዞማ ከይዶም። ቤተ-መንግስቲ ኣራት ኪሎ ኣብ ኢድ ታንከኛታት ሻዕብያ ምስ ኣተወት፡ ካሜራ ናይቲ ወጻእተኛ ኣብ ሓንቲ ካብተን ዘሕረሩወንን ዝማረኹወንን 50 ታንክታት ጸንሓቶም። እቶም ታንከኛታት ተጋደልቲ፡ ነቲ ካብታ ዝኣተዉላ ዕለት ኣትሒዙ ምስኦም ዝስእል ዝነበረ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ መሓመድ ኣሚን ደልዮም ብምርካብ፡ ናይ መን ምዃና ከለልያ ሓቲቶሞ። ናይ ሓደ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ምዃና ምስ ሓበሮም ክህቦ ኣረኪቦሞ።
“ዝማረኽኩማ ንብረት ንስራሕኩም እንተተጠቐምኩምላ እንታይ ጸገም ነይሩዎ?” ቀዳመይቲ መዓልቲ ምስ ኣዕለለኒ ሓቲተዮ ነይረ ንዘርእዝጊ።
“እታ ዝዓበናላ ዘይናትካ ናይ ዘይምብላዕ ባህሊኸ?” ከምታ ኣብ ድሮ ዕለተ-መስዋእቱ ኣብ ዝገበራ ቃለ-መጠይቑ ዝበላ፡ ንሕቶይ ብጭዋ ባህሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ደሪዑ መሊሱለይ።
ዘርእዝጊ ዝመርሖም ታንከኛታትና ንቤተ መንግስቲ ኣራት ኪሎ ተቘጻጸሩዋ።
ብድሕሪት ዝነበሩ ተጋደልቲ ወያነ፡ ከምቲ ብረገጻ ታንከኛታትና ተመሪሖም ክኣትዉዎ ዝቐነዩ፡ ሰለል እናበሉ ተሰሪዖም ብምእታው፡ ሓንቲ ጥይት ከይተኰሱ ንቤተ-መንግስቲ ኣራት ኪሎ፡ ካብ ኢድ ሓይሊ ዘርእዝጊን ብጾቱን ተረከቡዎ።
ንስርዓት ደርግ ኣብ ውሽጢ ቤተ-መንግስቱ ኣትዮም ስረኡ ኣፍቲሖም፡ ንወያነ ስረ ኣዕጢቖም ኣብ መንበር ኣራት ኪሎ ኮፍ ኣቢሎማ። ጅግና ብጻይ ዘርእዝጊ ዝመርሖም ታንከኛታት ሻዕብያ!
ዝተረፈ ናይ ወፍሪ ስግረ-ዶብ መዋፍርቱ ብሰፊሑ ክቕጽሉዎ ይሓይሽ።
ደድሕሪ’ዚኣ፡ ንሓንቲ መርድእ መስዋእቱ ምስ መጸኒ ብቐረባ ቅጅል ብዝበለትኒ ተዘክሮ ጋንታና፡ ንጅግንነት ገኔ ኣብ ወራር ባሕረ-ነጋሽ ክምስክር እሓስብ’የ።
ሂወቱ ወፍዩ ሂወተይ ዘድሓነላ ፍጻሜ ስለ ዝዀነት እየ ሓርየያ’ምበር፡ ጅግንነት ዘርእዝጊ ኣብ ከምዚ ጸቢብ መቓን ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝዝንቶ ኣይኰነን። ተቛጺርኩም ኣይበለና
I feel sad for losing my father and at the same time I feel proud as eritrean to have real patriots and hero fathers.
jgna aynebrn eyu tariku eyu zwres.
Heros never die!