“ዝሞተ ነይክሰስ ኣብ ሰማይ ነይሕረስ” እኳ እንተኾነ፣ ስቕ ዘየብል ክትዕዘብ እንከለኻ ስቕታ ኣይትመርጽን። “ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትንኣ ትናፍቕ” ከምዝብሃል ብምኽንያት ሞት ንግስቲ ዓባይ ብርጣንያ ልዕልቲ ኤልሳቤጥ፣ መንግስቲ ኬንያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጁ ክትስምዕ ዘደንጹው እዩ።
መቸም ብሰንኪ ምስፍሕፋሕን ጎበጣን ንግስነት ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ሃገራትን ኣህዛብን ዓለምና ዝፈጠሮን ዝፈጥሮን ዘሎ ነውጺ ሩኡይ እንተኾነ፣ ብፍሉይ ድማ ንኣፍሪቃውያን ናይ ሰነ-ኣእምሮኣውን ስነ-ልቦናውን ነውጺ ብምሕዳር፣ ንኣህጉርና ኣብ ሽግር ሸሚሙዋ የርከብ። ውጺኢት እዚ ገባቲ ነግስነት ዓባይ ብርጣንያን ካልኦት ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊታት ድማ ንኣህጉርና ኣፍሪቃ ካብ ባርነትን ድኽነትን ንኸይትናገፍ ሓሊኹ ሒዙዋ ይርከብ። ብሓጺሩ ጠንቂ ንግስነት ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ኣህዛብ ኣፍሪቃ ጽሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ።
እሞ እዚ ኣርዑት መግዛእቲ ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ኬንያን ካልኦትን ሃገራት ኣፍሪቃ ሂወት እንዳበልዐ፣ ብምኽንያት ሞት ንግስቲ ዓባይ ብርጣንያና ኣብ ኬንያ ዳስ ገቲርካ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ምእዋጅ ምስ ምንታይ ይቑጸር?
መቐረት፣ ክቡርን ርዝነትን ናጽነት ነቶም ንናጽነት ሰፍ ዘይብል ዋጋ ከፊሎም ዝጨበጥዎ ኣህዛብ ንክርዱዎ ቐሊሊ እኳ እንተኾነ፣ ነቶም ብሰንክ መግዛእቲ ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣርዑድ ዝተኣስሩን ባርነት ንክርዕምዎ ዝተፈርዱ ጭቁናት ኣህዛብ ደቡባዊ ዓለም ግን ተሓሩማቶ ተርከብ። እቲመንታይሲ ናጽነት ረዚኒ ዋጋ ትሓትት፣ ምቕረቲ፣ ክቡርቲን ረዛን ምዃኑ ስለዘይበጽሕዎ።
ከምቲ ኣመሪካዊ ጸሓፍይን ማሕበራዊ ኣነቓቓሕን ዝነበረ ፍረድሪክ ዶጉላስ (Frederick Douglass) ኣብ ጽሑፋቱ ዘስፈሮ፣ ባርነት ከምዝራዓምን ዝልመድን እዩ ዝሕብረና። ካብ ጥቕስታቱ ድማ ብዛዕባ ባራዩ ሞሮር (Field negros) ከምኡውን ባራዩ ቤት(House Negros) ዝጽሓፎ ጽሑፍ ነዚ ዘድመቐ ኮይኑ ርኺበዮ።
ከምቲ ንሱ ጽሒፍዎ ዘሎ ኣብ ኣሜሪካ ክልተ የሕዋት፣ ሓደ ወድን ሓንቲ ጓልን፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ባርነት ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፣ እታ ጓል ካብ ናይ ሞሮር ባርነት ናብ ቤት ባርነት ተሳሒባ ትመጽእ እሞ ዓቢ ፍታሕ ከምዝረኸበት ስለ ዝወሰደቶ ድማ ኣዝያ ትሕጎስ። እንተኾነ ግን ወንጮ እንተገምጠልካዮ ወንጮ ከምዝብሃል፣ እቶም ጎይቶት ባራዩ ነተን ኣብ ቤቶም ንኸገልግልኦም ዝመረጽወን ደቂ ኣንስትዮ ከም መርዊሒ ስጋዊ ርክብ ከይተረፈ ዝጥቐሙለን ከም ድላዮም ዝጻወቱሎም ተንቀሳቓሲ ኣቕሑ ቀይሮመን ከምዝነበሩን እዩ ዝሕብረና።
እንተኾነ ግን እቶም ተሳሒቦም ባራዩ ናይ ቤት ኽኾኑ ዝሕረዩ ዝነበሩ ባራዩ ዝሓሸን ዝማዕበለን ናብራ ከምዝረኸቡ ይስምዖም ብምንባሩ፣ እዛጓል ነቲ ባርነታ ቤት ሪዒማቶ ጥራይ ከይኮነስ ንሓዋ እውን ካብ ናይ ባሪያ ሞሮር ናብ ባሪያ ቤት ክተቀይሮ ጽዒራ፣ ተዓዊታ ድማ። ሓዋ ግን ንባርነት ኣትሪሩ ዝጽየፍን ዘይረዓሞን ብምንባሩ ካብ ናይ ባሪያ ሞሮር ናብ ባሪያ ቤት ምስ ተቐየረ ሞሊቑ ንካናዳ ከምዝሃደመ ይንገር።
ንባርነት ከም ንቡር ወሲዳ ዝራዓመት ሓፍቱ ድማ ብናይ ሓዋ ምህዳም ካብ መጠን ንላዕሊ ብሓዘን ተዋሕጠት። ምክንያት ሓዘና ግን ሓዋ ስለዝሰዓነት ዘይኮነስ፣ እቲ ብጎይታኣ ዝተገብረሉ ለውጢ ጠሊሙ ዝሃደመ ሓዋ ጎይቶኦም ኣብ ሕርቓን ስለዘእተዎ ምንባሩ ፍረድሪክ ዶጉላስ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊርዋ ይርከብ። እዚ ድማ ባርነት እውን እንተሪዕምካዮ ይልመድ ምዃኑ እዩ ዝሕብረና።
ሓደ ሓደ ግዜ ከም ሰብ ኣብ ኢድካ ዘሎ ገዲፍካ ካልእ ናይ ምጥማት ከጋጥም ይኽእል ይኸውን። ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚታት ክፍጠር እንከሎ ግና ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ሃብትን ጽባቐን ንክትዕዘብ ትግደድ። ልክዕ ከም ኣብ ዓውዲ ቀላሲ ብዕራይ ከምዘድሊ፣ ንደቂ ሰባት እውን መራሒ ኮይኑ ንህዝቡ ዝኣሊይ፣ ዘንቕሕን ዝውደብ ሓቐኛ መሪሕነት ዘድሊዮም። እዚ ትዕድልቲ እዚ ድማ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ኢድና ስለዘለና ዕድለኛታት ኢና ኢለ ብድፍረት ክዛርብ ይፈቱ።
እቶም መራሒ ዝሰኣኑን መራሒ ዘይተዓደሉን ኣህዛብ ዋላኳ ንዘይምልከቶም ሓዘን ዳስ ኣይነተክልን ኢሎም ክቃወሙ እንተፈተኑ፣ መራሕቶ ግን ምሕጽንታ ህዝቢ ዕሽሽ ብምባል ኣብ ዘይምከቶም ሓዘን ባንዴራ ሃገሮም ንሰለስተ መዓልታት ካብ ንቡር ወሪዳ ከትስቐል ኣዊጆም።
ኣፍሪቃ ክንደይ ዓበይቲ መራሕታን ታሪኽ ዝፈጸሙ ደቃን ተስፋ ህዝቦምን ሃገሮመን ክኾኑ እንዳተጸበየቶም፣ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ብምዕራባውያን ተቐንጺሎም ክኹለፉ ከለዉ፣ ዝግቦም ሓዘንን ዝኽርን ንጎኒ ተገዲፉ ብኣንጻሩ ዘይምስሎምን ዘይተግባራቶም ከምዝልከዩ እዮ ተገይሩ።
ኣብ መወዳእታ ንሕና ኣፍሪቃውያን ንግስነት ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ኣህጉርና ዝገደፎ ሕላገት ብኸመይ ከምንዝክሮ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። ኣብ ዘይናትና ዳስ ምኹዳዱ ንክንገድፎ ድማ ቀጻሊ ንህዝብና ምንቕቓሕን ምጎስጓስን ከድልየና እዩ።