ከም ዝብሃል፡ ስዕረት ዘኽታም እያ። ፍሽለትን ምብትታንን ተሓኤ ከኣ ክሳብ ሕጂ ብዘኽታሙ ምህላው ክገርመና ኣይክእልን።
ውድቀት ተሓኤ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ተሓኤ ኣሚንናን ተወፊናን ዝተቓለስናን ዝሰዋእናን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልስና ዘጓነፈና ዝዓበየ ፖለቲካዊ ማዓት እዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ ፖለቲካዊ ኣዱንያና ዝጸልመተትሉ እዋን ፍሽለትን ቅብጸትን፡ ኣብ ውልቃዊን ሓበራዊን ህይወት ካብ ስዕረትን መርሖ-ምጥፋእን ዝኸብድ ግድልን ብድሆን ከም ዘየለ ምስናይ ኩሉ ቃንዝኡ ተሞኪርናዮ ኢና።
ዋላ’ኳ፡ ብታሪኻዊ መስፈሪ፡ ምስ’ቲ ፍልስጤማውያን ‘’ነክባ’’ (ዕንወት–Catastrophe) ኢሎም ዝገልጽዎ ናይ 1948 ስዕረትን ስደትን ፍጹም ዘይመዛዘን እንተዀነ፤ ንዓናስ ናይ’ታ ብፖለቲካዊ ግርህነትና ከም እንኮ ፖለቲካዊ ዓለምና እንኣምነላ ዝነበርና ጀብሃ ዓባይ ውድቀት፡ ፖለቲካዊ ዕንወት፡ ወረግ ንገለ-ገሌናስ ምጾታት ኰይኑ’ዩ ተሰሚዑና።
ናይ ህዝቢ ኤርትራን ገድሉን ጽቡቕ ዕድል ኰይኑ ግን፡ ሰውራ ኤርትራ ቀጻልነቱን ዓወቱን ዘረጋግጸሉ መድሕንን መተካእታን ኣውሒሱ ነይሩ። ስለ’ዚ ውድቀት ጀብሃ ‘’ነክባ’’ ክኸውን ኣይክኣለን።
እዚ ናይ ቅድሚ ሳላሳ ዓመታት ታሪኽ’ዩ። ምስ ምሕላፍ ግዜ ድማ፡ እቲ ዝኽሪ እናሃሰሰ፡ ናብ ምሉእ ግርደት ተገማጊሙ ኣሎ። ታሪኽ ምርሳዕ፡ ብሕልፊ ከኣ ናይ ስዕረትን ውድቀትን ተመክሮ ምርሳዕ፡ ዕድኡ ከቢድ፡ ሳዕቤናቱን ሶሎሉኡን ድማ ሓደገኛን ዘይሓዊን ስለዝኾነ፡ ታሪኽ ምፍላጥን ምህሮታቱ ምስትውዓልን መድሕን ንዝሓሸ መጻኢ ኢዩ። ከም ውልቅን እኩባትን፡ ነብሰ-ምክልኻል ባህሪና ስለ ዝዀነ፤ ስዕረትና፡ ጌጋታትና፡ ሕፍረትና ክንቅበልን ክንዝክርን ንጽገም ኢና። ኣብ ኩሉ ሰብኣዊ ትረኻታት፤ ዓወት፡ ኣሳልጦ፡ ሓበን ብወግዒ ይምጐስን ይጽንበልን፤ ስዕረት፡ ፍሽለት፡ ሕፍረት ድማ በንጻሩ ይኽወልን ይምኽነን፡ ስግሩ ከኣ ደይ መደይ ኢልካ ይርሳዕ ወይ ድማ ዝገደደ፡ ብሓሶት ዘይነበረ ታሪኽ ይፍብረክ እዩ። ኣባና’ውን ከምኡ ስለዝኾነ፡ እዚ ንዛረበሉ ዘሎና ጉዳይ ስዕረትን ምብትታንን ጀብሃ፡ መብዛሕትና ተሳተፍቱ ክንርስዖ ምምራጽና ንምርድኡ ኣየጸግምን።
እቲ ካብ ምርሳዕ ዝኸፍእ ግን፡ እቲ ታሪኽ ንምምኽናይን ንምዝንባዕን ዝግበር ሃቐነ’ዩ። እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሳላሳ ዓመታት ብስም ጀብሃ፡ ወረስትን ተኸላኸልትን ቀጸልትን ተመክሮኣ ኢና በሃልቲ ብበበይኑ ኣስማት ክራብሑ ዝጸንሑ ጉጅለታት፡ ፖለቲካዊ ንድየቶም ንኽጉልብቡ ክደርስዎ ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ፈጠራታት ብዙሕ’ዩ።
እዚ ኣርእስቲ’ዚ ዕድል ተረኺቡ ካልእ ግዜ ክጽሓፈሉ ዝግባእ’ዩ። ናይ ሎሚ ኣርእስተይ ግን፡ እቲ ቅድሚ ልክዕ ሳላሳ ዓመታት ብ25 መጋቢት 1982 ኣብ በረኻታት ምብራቕ ሱዳን ዝተፈጸመ ዘሕፍር ፍጻሜ’ዩ። ታሪኽ ይድገም’ዩ፤ መጀመሪያ ከም ትራጀዲ፡ ካልኣይ ድማ ከም ላግጺ (Farce) ይብሃል’ዩ። ኣብ ታሪኽ ጀብሃ ከኣ ዕልዋ ከም ትራጀድን ላግጽን ክልተ-ሳዕ ተፈጺሙ። እቲ ቀዳማይ፡ እቲ ብ19 ታሕሳስ 1969 ኣብ ጣህራ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ጠቅላሊ መሪሕነት (ቅያዳ ኣልዓማ) ዝተፈጸመ ዕልዋ ክብሃል ዝኽእል ናይ ራዕዲ ተግባር’ዩ። እቲ ፍጻሜ ከምዚ ዝስዕብ’ዩ ነይሩ።
ንግሆ 19 ታሕሳስ፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ኣኼባ ጠቅላሊ መሪሕነት፡ እቲ 2 ኣኼባ ብሓንቲ ጋንታ ጸጥታ ተኸበበ። ኩሎም ኣባላት መሪሕነት ከኣ ብረቶም ከውርዱን ኢዶም ከልዕሉን ተኣዘዙ። ኣቦመንበር ጠቅላሊ መሪሕነት መሓመድ ኣሕመድ ዓብዱ ነቲ ‘’ትእዛዝ’’ ድሕሪ ምፍጻም ኩሎም ኣባላት ክስዕብዎ ሓተተ። ኩሎም ኣባላት ከኣ ከም እተባህሎም ገበሩ። ድሕሪኡ ካብ’ቲ ኣኼባ ሓሙሽተ ኣባላት መሪሕነት — ኩሎም ካብ ራብዓይ ክፍሊ — ተኣሲሮም ተወስዱ። ድሕሪ’ቲ ስጉምቲ፡ ኣቦመንበር ምኽንያት ማእሰርቶም ገሊጹ፡ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ በቲ ኣኼባ ‘’ክጸድቕ’’ ሓተተ። ድሕሪ’ዚ ፍጻሜ’ዚ፡ ጠቅላሊ መሪሕነት በቶም ሓደሽቲ ሰብ ኪዳን ተዓቢሉሉ ብፖለቲካዊ ራዕድን ቅንጸላን ‘’ምምራሕ’’ ስለ ዝቐጸሎ፡ እዚ ፍጻሜ’ዚ ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኹ ከም ማይ-ክዖ ክውሰድ ዝኽእል’ዩ።
ናይ’ዚ ፍጻሜ’ዚ ሃንደስቲ፡ መሓመድ ኣሕመድ ዓብዱ (ኣቦ መንበር)፡ ዓብደላ እድሪስ (ወተሃደራዊ ሓላፊ)፡ ሳልሕ ሓዮቲ (ሓላፊ ጸጥታ) እዮም ነይሮም። ናይ’ቲ ኣብ ተሓኤ ኪዳን ብምምስራት ስልጣን ዝተቖጻጸረ ሓድሽ ጉጅለታት ኣርካናት ከኣ እዮም ነይሮም። እዚ ናይ ጀመርቲ ድራማ ዝመስል ፍጻሜ’ዚ፡ መበገሲ ናይ ሓደገኛን ኣዕናዊን ሳዕቤናት እንተ ዘይነብር ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ካብ እግረ-ጽሑፍ ንላዕሊ ኣይምኾነን። የግዳስ፡ እዚ ተግባር’ዚ ካብኡ ዝዓቢ ሳዕቤናት ነይርዎ። ከም መርኣያ ናይቲ ኣብ ጀብሃ ዝቐጸለን ዝሰረተን ናይ ውዲትን ምክፍፋልን ፖለቲካ፡ ናብ ዚያዳ ምፍንጫልን ኲናት ሓድሕድን ኣምሪሑ።
ስለ’ዚ ዕልዋ ’69 ሓደ ካብ ትራጀዲታት ገድሊ ኤርትራ እዩ ነይሩ። እቲ ዳግማይ ዕልዋ ግን፡ ብሃንደስቱን ኣፈጻጽማኡን’ኳ ተመሳሳሊ እንተነበረ፡ ብውጽኢቱ ግን እቲ ትራጀዲ — ውድቀት ጅብሃ — ምስ ተዛዘመ ዝመጸ ላግጺ እዩ ነይሩ።
ኣብ ራሳይ፡ ኣብ በረኻታት ምብራቕ ሱዳን፡ ጉጅለ ዓብደላ ኣብ መሰሪትዎ ዝነበረ ‘’መዓስከር’’ ንልዕሊ ክልተ ሳምንታት ዝቐጸለ ፖለቲካዊ ወጥሪ ነይሩ። እቲ ብጸቕጢ መሰረታት ተጋደልቲ ኣብ ታህዳይ-ኮሮኮን ውድባዊ ሰሚናር ክጽውዕ ዝተገደደ መሪሕነት፡ ብሕቶ ዕጥቂ ኣብ ዕጽው-መገዲ በጺሑ ነይሩ። ኣማኢት ኣብ’ቲ ሰሚናር ክሳተፉ ካብ ታህዳይ-ኮሮኮን፡ ከምኡ’ውን ወጻኢ፡ ዝመጹ ኣባላት ተሓኤ፡ ድሮ ኣብ ራሳይ ሳምንታት ገይሮም ነይሮም። እቲ ወጥሪ ከኣ ካብኡ ንላዕሊ ክቕጽል ይኽእል ኣይነበረን።
ኣብ 25 መጋቢት 1982 ከባቢ ስዓት ሽዱሽተ ኣጋ ምሸት ኣብ ራሳይ ተዂሲ ተሰምዐ። እቲ ቀዳማይ ዒላማ ስውእ መልኣከ እዩ ነይሩ። መልኣከ በተን ቀዳሞት ጠያይቲ ብውሳኔ ተቐትለ። ምስኡ ኣብ’ታ ንእሽቶ መሓዝ ዘዕልል ዝነበረ ሳልሕ ዝተባህለ ተጋዳላይ ከኣ ተወግአ። ፍስሃየ ዝበሃል ኣውቲስታ ስዒድ ሳልሕ ዝነበረ ተጋዳላይ ከኣ ብላኸማ ኣብ’ቲ ከባቢ ተቐትለ።
ራሳይ ንገለ ደቓይቕ ብተዂሲ ብዓቕማ ተጨነቐት። ራዕዲ ንምፍጣርን ውሽጣዊ ፍርሒ ንምኽዋልን ደኣ’ምበር ዝምልስ ኣይነበረን። ኣብ’ቲ ቦታ፡ እቶም ‘’ኢንትፋዳ’’ ዝገበሩ ውሑዳት ብረተኛታት፡ ካብኦም ኣዝዮም ዝበዝሑ ድማ ጃለ ተጋደልቲ ጥራይ እዮም ነይሮም። ቶኹሲ ምስ ሃድአ፡ ኩሉ ጃለ ኣብ’ቲ ኣብ ማእከል’ቲ ናይ ቴንዳታት መደበር ዝነበረት ጸባብ ጐልጐል ተዂብኲቡ ተኣከበ። ሽዑ ሹዱሽተ ካብ ታህዳይ-ኮሮኮን ዝመጹ ተጋደልቲ ካብ’ቲ 3 ሓደ ዘካሪ እኩብ ንማእሰርቲ ተወስዱ። ንጽባሕቱ ከኣ ካልኦት ተወሰኽዎም።
ኣብ’ቲ መዓልታት’ቲ ኣሕመድ ናስርን ኢብራሂም ቶቲልን ዝርከብዎም ኣባላት መሪሕነት’ውን ተኣሲሩ። ንጽባሒቱ፡ ዓብደላ እድሪስ ከም ‘’ሓድሽ ኣቦ መንበር’’ ንኹሉ ተሳታፊ ኣኼባ ኣካየደ። እቲ ስጉምቲ ናይ ‘’ሰራዊት ሓርነት’’ ተበግሶ ንምድሓን ውድብ፡ ኢንቲፋዳ እዩ ተባህለ። ትራጀዲ ውድቀት ጀብሃ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ላግጺ ተደበሰ።
ድሕሪ ዕልዋ 25 መጋቢት፡ ምብትታን ጀብሃ ናህሪ ደሊቡ፡ ዕድል ጉጅለ ዕልዋ ከኣ ካብ ውርደት ናብ ዝያዳ ውርደት ምስግጋር ኮነ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ ጉጅለ ዓብደላ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጀብሃ ዝፈጸሞ ክድዓት ናብ ሃገራዊ ክድዓት ዓብዩ፡ ኣብ 1986 ናብ ምሉእ መጋበርያ ደርግ ተቐየረ።
እዚ፡ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ዝተራእየን ዝቕጽል ዘሎን ናይ ዝነደዩ ሰብ ጸቢብ ረብሓ ፓለቲካዊ ጉዕዞ’ዚ፡ ናይ ውዲታትን ምፍንጫላትን፡ ኣብ መፈጸምትኡ ድማ ናይ ክድዓት ጉዕዞ’ዩ። ሎሚ ዕልዋ ራሳይ ብውሑዳት ዝዝከር ፍጻሜ’ዩ።
መልኣከ ተኽለ ዝብሃል ተጋዳላይ ከኣ ዝዝክሮ ውሑድ’ዩ። መልኣከ ግን ካብ’ቲ ዕልዋን ሃንደስቱን ዝዓቢ ተጋዳላይ እዩ ነይሩ። ኣብ ዝርዝር ናይ’ቶም ዘይተፈለጡ ጀጋኑ (Unsung Heroes) ገድሊ ኤርትራ ካብ’ቶም ክጥቀሱ ዝግብኦም ተጋዳላይ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እምበኣር፡ ነቲ እቲ ዝግብኦ ሞሳን ዝኽርን ዘይረኸበ ስውእ መልኣከን፡ ነቶም ከምኡ ተረሲዖም ዘለዉ ስውኣት ዓብደልቃድር ሮሞዳንን ዶ/ር ያሕያ ጃብርን ኣብርሃም ተኽለን ብዙሓት ካልኦትን ምዝካር ግቡእ ይመስለኒ። እቲ ዝኽሪ ግን ተራ ዘይኰነስ ሕድሪ ዘሰክም እዩ።
ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ 1949-1982 (ኣብ ተሓኤ ብሓምለ 1971 ተሰሊፉ፡ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ (1975) ኣብ ፈጻሚት ሽማግለ ተመሪጹ) እዚ ዓንቀጽ’ዚ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ብ25 መጋቢት 2012 ብሓደ ውፉይ ኣባል ተሓኤ ዝነበረ ታጋዳላይ እተጻሕፈ’ዩ። ሎሚ 25 መጋቢት 2022 መበል 40 ዓመት “ዕልዋ” ራሳይ ከይተዘከረ ከይሓልፍ ዳግም ምዝርጋሑ ኣድላይ ኮይኑ።