ቅድም ቀዳድም ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለምና ንዘለዉ ዓበይቲ ሽግራት ኩሉ ቀንዲ ምንጪ ጠንቂ ምዕራባውያን እዮም እንተበልና ዝተጋነን ኣይኮነን።
ብምቕጻል: ምዕራባውያን ንዘለዎም ናይ ሓይሊ ሚዛን ከምዘለዎ ብምዕቓብ: ንዝመጽእ እውን ተወሰኽቲ ሽግራት እንዳፈጠርካ ምምሕዳሮም፡ ዝብል ንዘመናት ክጥቀሙሉ ዝጸንሑን ፕሊሲታቶም ሕጂ’ውን ዝጥቀሙሉ ዘለው ሜላ እዩ።
ዋላ’ኳ ቀንዲ መበገስን ጠንቅን ህልው ሽግራት ምዕራባውያን ይኹኑ እምበር፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ክንድ ብቐጥታ: ብተዘዋዋሪ ብደቂ እተን ሃገራት ዕሱባት ጊላታቶም ጌሮም እዮም ነቲ እኩይ ተግባራቶም ዘፈጽሙን ዘተግብሩን ።
ሓሓሊፎም እውን ምስ ፕሊሲታቶም ንዘይቃደው መንግስታት በቀጥታ ኢዶም ብምትእትታው ብዕልዋ ኣልዮም: ንመራሕቶም ቐንጺሎም ወይ ድማ ካብ ስልጣን ኣባሪሮም፡ ከም እቲ ልሙድ ተግባራቶም ብሽም ሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራሲን የሽካዕሉልና።
ዘገርምን ዘደንጽውን እዩ!
ንወዲ ኣዳም ከም ኣቕሓ ዝሸጡን ዝለወጡን፡ ንሕብረተሰባት ከም ዲኖሳውረስ ካብ ገጽ ምድሪ ዘጽነቱ፡ ብዓሌታዊነት ነእምሮ ጸሊም ህዝቢ ኣፍሪካ ምስ እንስሳ ዝሰርዑ፡ ዘይመሬቶም ገቢቶምን የህዛብ ዘሳቐዮን ንሃብቶም ዝገበቱን: የእዳዎም ብደም ዝጨቀወ፤ ምዕራባውያን ብዛዕባ ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላት ክሰብኩና ይውዕሉን ኣለዉ።
ብዙሓት’ውን ተታሊሎም ኣፎም ከፊቶም ክሰምዕዎም ይዉዕሉ ኣለው።
እሞ ከም ኤርትራ ዝኣመሰሉ ጽኑዓት ሃገራት፡ ናይ ሞራልን ልዕልና ዘለዎም: ስነ ሓሳብን ስነልቦናን ምዕራባውያን ብግቡእ ዝፈልጡ: ሽርሒታት ምዕራባውያን ዝርድኦም፡ ሃገራዊ ሃብቶም ዘየድፍሩ፡ ከዳምነት ዝጽየፋ፤ ብምዕራባዊያን ዘጋጥሞም ማእለያ ዘይብሉ ሸርሕታት ንምግማቱ ከቢድ ኣይከውንን።
መብዛሕተን ሃገራት ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ጸቕጥታት ምጽዋር ምስከበደን ኢደን ይህባ።
ንኤርትራ ግን ምንብርካኽ ፈጺሙ ኣይተኻእለን። ንዝመጽእ እውን ዘይሕሰብ እዩ።
ምክንያቱ ድማ ኤርትራ ኣብ ንቡርን ሓቀኛ ታሪኽ እምበር ኣብ ጽውጽዋይ ዘይትኣምን: መንእሰያት እትሃንጽ፡ ኣብ ርእሰ ምርኮሳ እትኣምን፡ ሰሪሕካ ኣብምቕያር እምበር ኣብ ምጽወታ ዘይትኣምን፡ ልማኖ ኣትሪራ እትጽየፍ፡ ዕቑር ሃብታ እትቆጻጸር: ናይ ገዛእ ነብሳ ፖሊሲታታ ትሕንጽጽን ብመገዳ እትማሓደርን ሃገር ስለዝኾነት።
ቡዙሓት ካብ እዚኦም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ነጥብታት ኣብ ጎሮቤትና ኢትዮጲያ የለዉን። ምኽንያቱ ድማ ቅድሚ ሕጂ ብዕቱብ ስለ ዘይተሰርሓሎም እዩ።
ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጲያ፤ ኢትዮጲያ ብኢትዮጵያውያን እትውነን ምግባር ከምዝከኣል ጹቡቕ ጌሩ ዝተረድኦ ይመስል። ይክኣል እውን እዩ!
እነሆ ኤርትራ ናይ እዚ ህያው ምስክር እያ።
እቲ ቀንዲ ሕቶ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ንዝመጾ ናይ ምዕራባውያን ሓያል ተጽዕኖ በዲሁ ይስገሮዶ? ዝብል ይኸውን።
ስለዚ ኢትዮጲያን ኢትዮጲያዊያንን ካብ ጎሮቤቶም ኤርትራን ኤርትራውያንን ብዙሕ ጽቡቕ ተሞክሮታት ክወስዱን ክማሃሩን ይኽእሉ እዮም።
ኣብይ ኣሕመድ ንህዝቡ ኣብ ምንቓሕ ኣበርቲዑ እንተሰሪሑ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ካብ ፋይዳ ዘይብሉ ጽውጽዋይን ናይ ዓሌት ፖለቲካ ወጺኡን ነቂሑን፥ ንመንግስቲ ኣብይ እንተሓጊዙ፣ ብርግጽ ኢትዮጲያ ከም ኤርትራ ናይ ገዛእ ነብሳ ወናኒት ሃገር ክትክውን ትኽእል እያ።
እቶም ምዕራባውያን ድማ ኣብቶም ዘይተበራበሩ ወይ ድማ ተባራቢሮም ከለዉ ድፍረት ዝሳኣኑ ሃገራት ከይዶም ንብዓት ሓርገጽ ምፍሳሶም ክቕጽሉ እዩም።
ትርጉም- ብወዲ ርእሶ