22.7 C
Asmara
Friday, September 15, 2023

ስሕበትን መዘዝን ከባቢና

ንሕና እዞም ህዝብታት ኣብ’ዚ ከባቢ እንርከብ ብሓፈሽኡ ኣፍሪቃውያን ካብኡ ንናብኡ ድማ ማእከላይ ምብራቅን ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ዘይ ከም ካልኦት ክፋል ዓለምና ብኣህጉር ደረጃ ኩሉ መደያዊ ጠመተን ተገዳስነት ኣብ ዘለዎ ቦታ ኢና ዘሎና።
 
እዚ ማለትና ቀይሕ ባሕሪ ከም ቀንዲ መተሓላለፊ ንግዳዊ ንጥፈት ዓለምናን ወተሃደራዊ ተገዳስነት ዝራአየሉ ዞባን፣ ኣብ ከርሲ ናይዚ ከባቢ ምድሪ’ዚ ክብ ዝበለ ሃብቲ ከም ነዳዲ ወርቂ ዓይነታት ሓጺን ካልኦት ክቡራት ማዕድናትን ዝርከብዎ፣ ፈለግ ናይልን ኣዝዩ ሰፊሕን ርቡሕን ስቡሕን ናይ ሕርሻ ቦታታትን፣ ጥንታዊ ታሪኽን ቅርስን ወዲ ሰብን ኮታ ዘነይት ትሕስቶ ዘለዎ ዞባ እዩ።
 
እዚ ማለት ከባቢና ሰሓብን ተሃራፍን ባህርያዊ ተፈጥሮ (ጸጋ) ስለ ዘለዎ፡ ሓያላትን ምዕቡላትን ሃገራት ጽልወአንን ረብሐአንን ንምርግጋጽ ናይ መቃለሲ ባይታን ሰፈርን ገይረንኦ ኣለዋ።
እስከ ንርኣዮ ህልውን ሕሉፍ ተመክሮታት እዚ ከባቢና. . .
– ንመግዛእታዊ ዶባት ኣፍሪቃ ምህንዳስ ዝተገብረ ስምምዕ በርሊን 26/02/1885
– ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ብ1945 ዝተገብረ ምስጢራዊ ውዕልን
ብተወሳኺ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኣሜሪካ ምስ ሱዑዲ ዓረብ ዝኣተወቶ ስምምዕ
– መዕለቢ ዘይተገብሮ ጉዳይ ፍሊስጤም
– ሓንካስ ስምምዕ ካንቢዴቪድ
– ምቅንጻል ኣንዋር ሳዳትን ኢሳቅ ራቢንን ዘይተነጸረ ኣማውታ ያስን ዓራፋትን
– ናይ ዶቡብ ሱዳን ጉዳይ ግድን ካብ ሱዳን ከም እትፍለ ምግባር
– ጠንቂ ቁጠባውን ሃይማኖታውን መዘዝ ውግእ የመን
– ሕንፍሽፍሽን ምምቅቃልን ሶማል ሳዕቤናቱን
– መግዛእቲ ቅብብል ዱላ ሓያላት ሃገራትን ሉኡኻቶምን ኣብ ኤርትራ
– ወራራት መሳፍንትን ዘኸተሎ ማሕበራዊ ምዝንባላትን
– ዳግም ወራር ልኡላውነት ኤርትራ ጉንበት 1998
– ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ሃገራት ተፋሰስ ናይልን ኣሳሰይቱን
– ብሄራዊ ፖለቲክ ዘስዓቦ ሓደጋ ሃገርን ሃገራውነት
– ስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ባብ ኤልሜንደምን ካናል ስዌስን
 
ብሰንኪ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፍጻሜታት ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ነንሕድሕዱ ብሰላም ተዛንዩ ኣብ ዕቤት ቁጠብኡ ከይሓስብ ክጓነን ክሳቀን ጸኒሑን ኣሎን።
ኤርትራ ሃገርና ሽሕ እኳ ኣካል ናይዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዘለዉ ተረኽቦታት ግዳይ ትኹን እንበር: ኣብ ኣፈታትሕኡን ኣተሓሕዝኡን ካብ ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ሃገራት ዝተፈለየ ነይሩ።
 
ደንደስ ባሕርና መዕረፊን መሰጋገርን ነጋዶ ዓለም ምንባሩ: ምቅባል ክልቲኡ ሃይማኖታት (ክርስትናን እስልምናን) ብሰላም: እቲ መግዛእታዊ ሓይልታት ዘይደፈሮ ሕጊ እንዳባን ማእከል መስሕብ ኤርትራውነት ዝወለደ ሰውራ ኤርትራን ዓወቱን፤
ተደማሚሮም ናይዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ውጽኢት ስለ ዝኾኑ: ነዚ ኣብ ላዕሊ ኣቀዲምና ዝጠቀስናዮ ህሉው ኩነታት ክትጻወሮን ክትሰግሮ ኪኢላ ኣላ።

ጅግንነት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ 50 ዓመቱ

ዓርቢ 08 ታሕሳስ 1972፡ ቅድሚ 50 ዓመት፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ምንጋሩ ዘጸግም ፍጻሜ ተኻየደ። ኣብ ክሊ ዕድመ 24- 28 ዝርከቡ ሰለስተ ኤርትራውያንን ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያንን ንነፋሪት ንመገዲ ኣየር ክጨውዩ ተበገሱ። እቶም ክልተ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ እቶም ኣርባዕተ ገሊኦም ትምህርቶም ዛዚሞም ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ...

ናጽነት ከቢድ ዋጋ ከፊልካ ይመጽእ፣ ከቢድ ዋጋ እንዳኸፈልካ ድማ ይዕቀብ

"ዝሞተ ነይክሰስ ኣብ ሰማይ ነይሕረስ" እኳ እንተኾነ፣ ስቕ ዘየብል ክትዕዘብ እንከለኻ ስቕታ ኣይትመርጽን። "ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትንኣ ትናፍቕ" ከምዝብሃል ብምኽንያት ሞት ንግስቲ ዓባይ ብርጣንያ ልዕልቲ ኤልሳቤጥ፣ መንግስቲ ኬንያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጁ ክትስምዕ ዘደንጹው እዩ። መቸም ብሰንኪ ምስፍሕፋሕን ጎበጣን ንግስነት ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ሃገራትን...

ሓንጎል፡ ሓሞት፡ ደም

ኣብዚ ቀረባ ቕነ ንሓጺር እዋን ምስቲ ኣዝየ ዘድንቖ መራሒ ተራኺበ ከዕልል ዕድል ረኺበ ነይረ።  ምልክት ቃልሲ ኤርትራውያን ንናጽነትን ኣርካን ኣቦ ሰውራን ውሩይ መራሒ እዩ። ብትሑት ኣነባብራኡን ምቕሉልነቱን ዝፍለጥ ሰብ እዩ። ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ዝገብሮ ንጥፈታት ካብ ዝኾነ ተራ ዜጋ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ከም ተራ ዜጋ ይኽደን፡ ኣብ መንጎ ህዝቡ ኣብ ንእሽቶ ገዛ ይነብር፡ ከምቲ ልምዲ ሕብረተሰብና ድማ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ንጥፈታት ከም ዝኾነ ተራ ዜጋ ይሳተፍ። ኣብ መላእ ሃገር ብናጽነት ዝንቀሳቐስ፡ ምስ ህዝቡ ሕዉስ መራሒ...

Shida Friendship Forum

On the occasion of Eritrea’s 31st Independence Celebrations, Shida Media will live stream a panel discussion on Saturday 21st of May at 9AM LA time, 12PM NY time, 6PM Berlin time and 7PM Asmara and Addis Ababa time. The distinguished panelists are: Alemseged Tesfai -...

Must read

More articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

- Advertisement -spot_img

እዋናዊ ዜና