ንሕና እዞም ህዝብታት ኣብ’ዚ ከባቢ እንርከብ ብሓፈሽኡ ኣፍሪቃውያን ካብኡ ንናብኡ ድማ ማእከላይ ምብራቅን ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ዘይ ከም ካልኦት ክፋል ዓለምና ብኣህጉር ደረጃ ኩሉ መደያዊ ጠመተን ተገዳስነት ኣብ ዘለዎ ቦታ ኢና ዘሎና።
እዚ ማለትና ቀይሕ ባሕሪ ከም ቀንዲ መተሓላለፊ ንግዳዊ ንጥፈት ዓለምናን ወተሃደራዊ ተገዳስነት ዝራአየሉ ዞባን፣ ኣብ ከርሲ ናይዚ ከባቢ ምድሪ’ዚ ክብ ዝበለ ሃብቲ ከም ነዳዲ ወርቂ ዓይነታት ሓጺን ካልኦት ክቡራት ማዕድናትን ዝርከብዎ፣ ፈለግ ናይልን ኣዝዩ ሰፊሕን ርቡሕን ስቡሕን ናይ ሕርሻ ቦታታትን፣ ጥንታዊ ታሪኽን ቅርስን ወዲ ሰብን ኮታ ዘነይት ትሕስቶ ዘለዎ ዞባ እዩ።
እዚ ማለት ከባቢና ሰሓብን ተሃራፍን ባህርያዊ ተፈጥሮ (ጸጋ) ስለ ዘለዎ፡ ሓያላትን ምዕቡላትን ሃገራት ጽልወአንን ረብሐአንን ንምርግጋጽ ናይ መቃለሲ ባይታን ሰፈርን ገይረንኦ ኣለዋ።
እስከ ንርኣዮ ህልውን ሕሉፍ ተመክሮታት እዚ ከባቢና. . .
– ንመግዛእታዊ ዶባት ኣፍሪቃ ምህንዳስ ዝተገብረ ስምምዕ በርሊን 26/02/1885
– ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ብ1945 ዝተገብረ ምስጢራዊ ውዕልን
ብተወሳኺ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኣሜሪካ ምስ ሱዑዲ ዓረብ ዝኣተወቶ ስምምዕ
– መዕለቢ ዘይተገብሮ ጉዳይ ፍሊስጤም
– ሓንካስ ስምምዕ ካንቢዴቪድ
– ምቅንጻል ኣንዋር ሳዳትን ኢሳቅ ራቢንን ዘይተነጸረ ኣማውታ ያስን ዓራፋትን
– ናይ ዶቡብ ሱዳን ጉዳይ ግድን ካብ ሱዳን ከም እትፍለ ምግባር
– ጠንቂ ቁጠባውን ሃይማኖታውን መዘዝ ውግእ የመን
– ሕንፍሽፍሽን ምምቅቃልን ሶማል ሳዕቤናቱን
– መግዛእቲ ቅብብል ዱላ ሓያላት ሃገራትን ሉኡኻቶምን ኣብ ኤርትራ
– ወራራት መሳፍንትን ዘኸተሎ ማሕበራዊ ምዝንባላትን
– ዳግም ወራር ልኡላውነት ኤርትራ ጉንበት 1998
– ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ሃገራት ተፋሰስ ናይልን ኣሳሰይቱን
– ብሄራዊ ፖለቲክ ዘስዓቦ ሓደጋ ሃገርን ሃገራውነት
– ስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ባብ ኤልሜንደምን ካናል ስዌስን
ብሰንኪ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፍጻሜታት ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ነንሕድሕዱ ብሰላም ተዛንዩ ኣብ ዕቤት ቁጠብኡ ከይሓስብ ክጓነን ክሳቀን ጸኒሑን ኣሎን።
ኤርትራ ሃገርና ሽሕ እኳ ኣካል ናይዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዘለዉ ተረኽቦታት ግዳይ ትኹን እንበር: ኣብ ኣፈታትሕኡን ኣተሓሕዝኡን ካብ ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ሃገራት ዝተፈለየ ነይሩ።
ደንደስ ባሕርና መዕረፊን መሰጋገርን ነጋዶ ዓለም ምንባሩ: ምቅባል ክልቲኡ ሃይማኖታት (ክርስትናን እስልምናን) ብሰላም: እቲ መግዛእታዊ ሓይልታት ዘይደፈሮ ሕጊ እንዳባን ማእከል መስሕብ ኤርትራውነት ዝወለደ ሰውራ ኤርትራን ዓወቱን፤
ተደማሚሮም ናይዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ውጽኢት ስለ ዝኾኑ: ነዚ ኣብ ላዕሊ ኣቀዲምና ዝጠቀስናዮ ህሉው ኩነታት ክትጻወሮን ክትሰግሮ ኪኢላ ኣላ።