22.6 C
Asmara
Friday, September 15, 2023

ህዝብን መንግስትን ኣብ ሓደ ህርመት

ነበርቲ ዛውል ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ብተፈጥሮ ዝተዓደልዎ ንሕርሻ ምችእ ዝኾነ ትሕዝቶ ማይን መሬትን ኣለዎም። ነበርቲ ዛውል ነዚ ብለጫ እዚ ናብ ረብሓኦም ብምውዓል ብሕርሻ ጀርዲን ፍርያቶም ካብ እቶም በቐንዲ ዝልለዩ ሓረለስቶት እቲ ካባቢ ኮይኖም ካብ ዝፍለጡ ዘመናት ኣቁጺሮም እለዉ።

ኣብ ርእሲ እቲ ንዘመናት ዘጥረይዎ ልምድን ተሞኩሮን፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ንቕሓቶም ኣበሪኾም ካብ መንግስቲ ብዝተገብረሎም ገዚፍ ድጋፍ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝተዋህቦም ሙሩጽ ናይ ኣትክልቲ ዘርኢ ብግቡእ እንዳተኸናኸኑ ኣብ ፍረ ዝህበሉ ደረጃ በጺሁስ ምህርቲ ከሃፍሱ ጀሚሮም ኣለዉ።

ፍርያት ሓረስቶት ዛውል ኣብ ከባቢኦምን ሃገርን ከይተሓጽሩ ናብ ወጻኢ ዕዳጋ ዝዓለመ መደባት ብምውጻእ ኣታዊ ሸርፊ ወጻኢ ንምምጻእ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ኣለዉ።

ዛውል ካብ እቲ ብሉጽ መሬቶም ብዲጋ ሎጎ(ብዲጋ ዓዲ ሃሎ) ዝተዋሕጠ እኳ እንተኾነ መንግስቲ ነዚ ብምርዳእ ነቲ ዓዲ ከነባብሮ ዘኽእል ሙሩጽ ኣትክልቲ ብምዝራእ ጠቕላላ ኣታዊኡ ናብ ናይ ሓባር ባንክ ልምዓት ዓዲ ዛውል ከምዝኣቱ ስለዝተገብረ ነብርቲ እታ ዓዲ ንዝረኸብዎ ዕድል ከም ዓቢ ድፍኢት ተጠቒሞም ንዝበለጸ ውጽኢት ከምዝሰርሑ ኣብሪሆም።

ጅግንነት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ 50 ዓመቱ

ዓርቢ 08 ታሕሳስ 1972፡ ቅድሚ 50 ዓመት፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ምንጋሩ ዘጸግም ፍጻሜ ተኻየደ። ኣብ ክሊ ዕድመ 24- 28 ዝርከቡ ሰለስተ ኤርትራውያንን ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያንን ንነፋሪት ንመገዲ ኣየር ክጨውዩ ተበገሱ። እቶም ክልተ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ እቶም ኣርባዕተ ገሊኦም ትምህርቶም ዛዚሞም ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ...

ናጽነት ከቢድ ዋጋ ከፊልካ ይመጽእ፣ ከቢድ ዋጋ እንዳኸፈልካ ድማ ይዕቀብ

"ዝሞተ ነይክሰስ ኣብ ሰማይ ነይሕረስ" እኳ እንተኾነ፣ ስቕ ዘየብል ክትዕዘብ እንከለኻ ስቕታ ኣይትመርጽን። "ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትንኣ ትናፍቕ" ከምዝብሃል ብምኽንያት ሞት ንግስቲ ዓባይ ብርጣንያ ልዕልቲ ኤልሳቤጥ፣ መንግስቲ ኬንያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጁ ክትስምዕ ዘደንጹው እዩ። መቸም ብሰንኪ ምስፍሕፋሕን ጎበጣን ንግስነት ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ሃገራትን...

ሓንጎል፡ ሓሞት፡ ደም

ኣብዚ ቀረባ ቕነ ንሓጺር እዋን ምስቲ ኣዝየ ዘድንቖ መራሒ ተራኺበ ከዕልል ዕድል ረኺበ ነይረ።  ምልክት ቃልሲ ኤርትራውያን ንናጽነትን ኣርካን ኣቦ ሰውራን ውሩይ መራሒ እዩ። ብትሑት ኣነባብራኡን ምቕሉልነቱን ዝፍለጥ ሰብ እዩ። ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ዝገብሮ ንጥፈታት ካብ ዝኾነ ተራ ዜጋ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ከም ተራ ዜጋ ይኽደን፡ ኣብ መንጎ ህዝቡ ኣብ ንእሽቶ ገዛ ይነብር፡ ከምቲ ልምዲ ሕብረተሰብና ድማ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ንጥፈታት ከም ዝኾነ ተራ ዜጋ ይሳተፍ። ኣብ መላእ ሃገር ብናጽነት ዝንቀሳቐስ፡ ምስ ህዝቡ ሕዉስ መራሒ...

Shida Friendship Forum

On the occasion of Eritrea’s 31st Independence Celebrations, Shida Media will live stream a panel discussion on Saturday 21st of May at 9AM LA time, 12PM NY time, 6PM Berlin time and 7PM Asmara and Addis Ababa time. The distinguished panelists are: Alemseged Tesfai -...

Must read

More articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

- Advertisement -spot_img

እዋናዊ ዜና