ነበርቲ ዛውል ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ብተፈጥሮ ዝተዓደልዎ ንሕርሻ ምችእ ዝኾነ ትሕዝቶ ማይን መሬትን ኣለዎም። ነበርቲ ዛውል ነዚ ብለጫ እዚ ናብ ረብሓኦም ብምውዓል ብሕርሻ ጀርዲን ፍርያቶም ካብ እቶም በቐንዲ ዝልለዩ ሓረለስቶት እቲ ካባቢ ኮይኖም ካብ ዝፍለጡ ዘመናት ኣቁጺሮም እለዉ።
ኣብ ርእሲ እቲ ንዘመናት ዘጥረይዎ ልምድን ተሞኩሮን፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ንቕሓቶም ኣበሪኾም ካብ መንግስቲ ብዝተገብረሎም ገዚፍ ድጋፍ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝተዋህቦም ሙሩጽ ናይ ኣትክልቲ ዘርኢ ብግቡእ እንዳተኸናኸኑ ኣብ ፍረ ዝህበሉ ደረጃ በጺሁስ ምህርቲ ከሃፍሱ ጀሚሮም ኣለዉ።
ፍርያት ሓረስቶት ዛውል ኣብ ከባቢኦምን ሃገርን ከይተሓጽሩ ናብ ወጻኢ ዕዳጋ ዝዓለመ መደባት ብምውጻእ ኣታዊ ሸርፊ ወጻኢ ንምምጻእ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ኣለዉ።
ዛውል ካብ እቲ ብሉጽ መሬቶም ብዲጋ ሎጎ(ብዲጋ ዓዲ ሃሎ) ዝተዋሕጠ እኳ እንተኾነ መንግስቲ ነዚ ብምርዳእ ነቲ ዓዲ ከነባብሮ ዘኽእል ሙሩጽ ኣትክልቲ ብምዝራእ ጠቕላላ ኣታዊኡ ናብ ናይ ሓባር ባንክ ልምዓት ዓዲ ዛውል ከምዝኣቱ ስለዝተገብረ ነብርቲ እታ ዓዲ ንዝረኸብዎ ዕድል ከም ዓቢ ድፍኢት ተጠቒሞም ንዝበለጸ ውጽኢት ከምዝሰርሑ ኣብሪሆም።